መንግስቲ ሱዳን ንሊብያ ክነቕሉ ክብሉ ዝሓዞም ኤርትራውያን ሒዙ ናብ ኤርትራ ይመልስ።
Khartoum, 19 May, 2016- መንግስቲ ሱዳን፥ ንኣስታት 800 ኣቢሎም ዝኾኑ ኣብ ን ሊብያ ክብገሱ ክብሉ ዝሓዞም ስደተኛታት ኤርትራውያን ብ ቐጥታ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ከም ዝገበረ ምንጭታትና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።
ፖሊስ ሱዳን፥ ድሕሪ ዝበጽሖም ሓበረታ፥ ኣብ ኡምዱርማንን ካርቱምን ኣብ ናይ 2 ብ ስም ‘ኢብራሂምን’ ‘ጆን’ ን ዝፍለጡ ኣስገርቲ ዝጥቀሙሉ መበገሲ ቦታታት ድሕሪ ዝገበርዎ ስርሒት፥ ከባቢ 800 ዝበጽሑ ንሊብያ ክኸዱ መካይን ዝጽበዩ ዝነበሩ ብብዝሒ ኤርትራውያንን ኢትዮጽያውያንን ከም ዝኣሰሩ ኣፈኛ ፖሊስ ሱዳን ካፕተን የሕያ ሙዑተስም ዓሊ ሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት፥ መብዛሕቶም ፥ ኣብ ኾበር ዝበሃል ዓቢ ቤትማእሰርቲ ናይ ሱዳን ተታሒዞም፥ ድሮዉን ገለ ክፋል ናቶም ብዘይ ድላዮም ንኤርትራ ከም ዝተመለሱ ሓበሬታታት ኣሎ።
ዛጊት፥ ብዛዕባ እዚ ንምውካስ ን ኣብ ካርቱም ንዝርከብ ናብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ናይ ስደተኛታት(UNHCR) ዝገበርናዮ ጻዉዒታት መልሲ ኣይረኸበን።
ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ፤ሓደ ካብቶም ብፖሊስ ሱዳን ን ሊብያ ኣብ ኽኸደሉ እንዳተዳለወ እንከሎ ዝተተሓዘ ኤርትራዊ ስደተኛ፥ ድሕሪ ኣብ ኾበር ምእሳሩ፥ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ጉቦ ከፊሉ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጸ ይሕብር።
“ምስ ኣሰሩና፥ ገለ ኣባላት ናይ ፖሊስ ሱዳን፥ ነቶም ዓረብ ክንዛረብ ንኽእል ገንዘብ ከፊልና ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከንወጽእን፤ ከምቶም ክኸፍሉ ዘይክእሉ ናብ ኤርትራ ከይንምለስን መንገድታት ከም ዘሎ ኣንፊቶምልና። ድሕሪ እዚ ምስማዓይ ምሳይ ሓቢኤ ሒዘዮ ዝነበርኩ ኣስታት 1000 ዶላር ንሓደ ስሙ ዘይሓዝኩዎ ሓላፊ ድሕሪ ምሃበይ፥ ብቐጥታ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወጺኤ ይብል።
ድሮ እውን ፥ ገለ ክፋል ናይቶም ኣብቲ ስርሒት ዝተተሓዙ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሱ ይሕበር ኣሎ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ