ህይወት ዓሰርተታት ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ጠፊኡ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዉሑዱ 24 ስደተኛታት ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ተሓቢሩ። እቶም ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ተሳፊሮሙላ ዝነበረት ናይ ፕላስቲክ ጃልባ ድሕሪ ምብልሻዋ እዮም ጥሒሎም ሞይቶም።

ብመሰረት መግለጺ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ዝበዝሑ ካብቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት፡ ዜጋታት ግብጽን መሮኮን ከምዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ካብ’ቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ መዶጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ኪሚለሱ ከምእተገብረ እዉን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ምዝዛም ወርሒ መስከረም 2020 ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጽአ ጸብጻብ ከምዘረድኦ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳዕ መስከረም ናይ’ዚ ዓመት ጥራይ ዛጊት ኣስታት 8,500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምእተመልሱ እዮ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ኣሰቃቒን ሰንሰለታዊን ሕሰም ወዲቖም ከምዘለዉ፣ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ካብ 2016 ጀሚረን ንኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዘድሊ ሓገዛት እንዳገበረ፡ እተን ኣሃዱታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ሒዘን ናብ ሊብያ ኪመልሳ ይግበር ምህላዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ተላባዒ ሕማም ኮሮና እውን ነቲ ኩነታት ኣብኢሱ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ቀቢጸ ተስፋ ፈተነታት ኪወስዱን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከውድቚን ይገብር ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ 2020 ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 600 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኪሰግሩ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ዝሕብር ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት እዉን፡ ለብዒ ኮሮና ቫይረስ ኣብ እንተዛይዱ ነቶም ኣብ ልብያ ዝርከቡ ልዕሊ 700,000 ስደተኛታት ከቢድ ሰብኣዊ ህልቂት ከስዕብ ልዑል ስግኣት ከምዘሎ ይገልጽ።

TMP_ 18/09/2020

Photo Credit: Shutterstock/Nasib Damlite. Photo Caption: Sinking boat