ሊብያ ፡ ናይጀርያዊ ስደተኛ ብህይወቱ እንከሎ ኪቃጸል ተገይሩ
ሰለስተ ሊብያዉያን፡ ንሓደ ናይጀርያዊ ስደተኛ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ዝሰርሓሉ ፋክቶሪ ፡ ብህይወቱ እንከሎከምዘቃጸልዎ ፡ ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሓቢሩ። ብመሰረት መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ፡ ነቲ ስደተኛ ዝቐተሉሰለስተ ሊብያዉያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኮሚሽን ናይጀራውያን ኣብ ዲያስፖራ (NIDCOM) ነቲ መጥቃዕቲ እንስሳዊን ዘይቅቡልን ከምዝኾነ ብምዃናን፡ ነቲመጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ኪቐርቡ ንሰብ መዚ ሊብያ ጸዊዑ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዉን ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣካል ናይቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝቕጽል ዘሎገበናት ክብል ኮኒንዎ ኣሎ።
ሊብያ፡ ካብ ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ኪበጽሑ ዝህቅኑ ኣሽሓት ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ከምመሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ዘለዉ ሃገር ኮይና ትቕጽል ምህላዋ ይሕበር።
TMP_ 09/10/2020
Photo credit: Shutterstock/Rhynio Productions. Photo caption: Ignition of match with smoke, isolated on black background
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ