ሸዉዓተ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ክቕበላ ካብ ዘይመርጻ ሃገራት ዓለም ቀዳምነት ሒዘን
ሸዉዓተ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ምስተን ኣብ 2019 ስደተኛታት ኪቕበላ ብዘይምምራጽ ዝተጠቕሳ 10 ሃገራት ዓለም ከምዝተሰርዓ፡ ጋል-ኣፕ ብዝተባህለ ነጻ መጽናዕታዊ ትካል ዝተኣከበ ርእይቶታት ኣነጺሩ። ኣብ’ቲ ተሰኒዱ ብ 23 መስከረም ዝተዘርገሐ ጸብጻብ ፡ ሰሜን-ማቀዶንያ፡ ሃንጋሪ፡ ሰርቢያ፡ ክሮሽያ፡ ብዝንያ-ሀርዘጎቪና፡ ሞንቴኔግሮን ላቲቭያን እተን ስደተኛታት ኪቕበላ ዝሕንግዳ ኤውሮጳውያን ሃገራት ምዃናነን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ኤውሮጳውያን ብዛዕባ ኣብ ሃገሮም ዝርከቡ ስደተኛታት ዘለዎም ኣጠማምታ፡ ጉርብትናን ፡ ናይ መርዓ ዝምድናታትን ዝኣመሰሉ ሕቶታት ብምሕታት ዝተኣከበ ርእይቶ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘሎ ዓለማዊ ኣረዳድኣ ኣሉታዊ እንዳኾነ ይኸይድ ምህላዉ ኣብሪሁ ኣሎ።
ካናዳ ፡ ኣይስላንድን ኒውዚላንድ በንጻሩ፡ ስደተኛታት ኪቕበላ ካብ ዝመርጻ ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድሚን ዝስርዓ ምዃነን እቲ ዝተኣከበ ርእይቶ የረድእ።
TMP _ 28-9-2020
Photo credit: hydebrink. Photo caption: Hamburg, Germany – September, 8, 2015: Refugee in front of a tent in the Hamburg reception center at the height of the refugee crisis in 2015
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ