ኣብ የመን ዝተዓግቱ ስደተኛታት ባዕሎም ናብ ጅቡቲ ይምለሱ
ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሰዓበ ቀይዲ መገሻታትን ምዕጻዉ ዶባትን ካብ የመን ናብ ስዑድያ ኪሰግሩ ዝተጸገሙ ልዕሊ 2,000 ኤርትራዉያን፡ ኢትዮጵያዉያንን ሶማላዉያንን ስደተኛታት ናብ ጂቡቲ ክምለሱ ከምዝተገደዱ ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ሓቢሩ።
እቶም ትሕቲ 8 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት ሰለስተ ሰሙናት ናይ ወርሒ መስከረም 2020 ከም እንደገና ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ጂቡቲ ኪበጽሑ ምጽንሖም እዩ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝሕብር።
እቶም ኣብ የመን ተዓጊቶም ንዝተፈላለዩ ጸገማት ተቓሊዖም ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ብጀላቡ ባሕሪ ተሳጉሮም ናብ ገማግም ጂቡቲ ድሕሪ ምብጻሕ ክሳዕ 40 ዲግሪ ሰንትግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት ዝምዝገቦ ኣጻምእ ጂቡቲ ሰጊሮም እዮም ናብ ከተማ ኣቦክ ኣትዮም።
ብመሰረት መግለጺ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ እቶም ስደተኛታት ብኸቢድ ድኻም፡ ጥሜትን ጽምእን ተሰኒፎም ከምዝበጽሑ፡ ኣብ ጉዕዞ እዉን ብኣሰጋገርቲ ምዝመዛን ግፍዕን ከምዝበጽሖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ’ዚ እዋን እዚ ካብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጨንፈር ጂቡት ዘድሊ ሓገዛት ይግበረሎም ኣሎ። ብግምት እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ 14,000 ካልኦት ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ የመን ተዓጊቶም ብዙሕ ጸገም ይሓልፉ ምህላዎም፡ ከም’ዚ እንዳሃለወ ግና ሓያለ ካልኦት ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ካብ ምዉሳድ ይቚጠቡ ከምዘየለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
TMP – 05/10/2020
Photo credit: Twitter(@AbdikerM). Photo caption: Stranded migrants return to Djibouti.
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ