ጥልያን ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ናብ ቱኒዝያ ምጥራዝ ጀሚራ

ጥልያን ካብ መፋርቕ ነሓሰ 2020 ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ናብ ቱኒዝያ ኪትጥርዝ ጀሚራ። ብመሰረት ወግዓዊ ጸብጻባት ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ በረራታት ተሰሪዑ ክሳዕ 80 ተጠረዝቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ በረራ ናብ ቱኒዝያ ከምርሑ ይግበር ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ፡ ቱኒዝያ ኣብ ማያዊ ገማግማ እተካይዶ ሓለዋን ኮለላን ኣብ ምሕያል ኪትሰርሕ እያ።

እዚ ዝኸዉን ዘሎ፡ ጥልያንን ቱኒዝያን ነቲ ብማእከላይ ሸነኽ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዘብል ዘይስሩዕ ጉዕዞ ስደት ንምግታእ ልዕሊ ካልእ እዋን ሓቢረን ክሰርሓ ድሕሪ ምስምማዐን እዩ። ካብ’ቶም ኣብ’ዚ ዓመት ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ጥልያን ዛጊት ኣትዮም ዘለዉ ከባቢ 16,000 ስደተኛታት ፡ እቶም ልዕሊ ፍርቂ ካብ ማያዊ ገማግም ቱኒዝያ ዝተበገሱ ምዃኖም ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ናይ ቱኒዝያ መገሻኡ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጥልያን ሊዩጂ ዲ ማዮ፡ ሃገሩ ንዘይሕጋዉያን ስደተኛታት “ደጊም ዝኾነ ቦታ” ከምዘይብላ ጠቒሱ እዩ። ብዘይ’ካ እዚ፡ መንግስት ቱኒዝያ ኣብ ምግታእ ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደተኛታት ተግባራዊ ስራሕ እንተዘይሰሪሓ ፡ ጥልያን ነታ ሃገር እትህቦ ናይ 6.6 ሚልዮን ኤሮ ሓገዝ ከተወንዝፎ ምዃና ከተፈራርህ እያ ጸኒሓ።


TMP – 01/09/2020

Photo credit: EPA/Carlo Ferraro. Photo caption: Italian authorities escorting migrants onto an airplane in Lampedusa, Italy