ዶባት ድሕሪ ምዕጻው’ውን ኤርትራውያን ገና ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ኣለው

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ 11 መስከረም 2018 ድሕሪ ምኽፋቱ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኽግዕዝ ከምዝተራእየ  ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ዶባት ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 2019 ዳግም ድሕሪ ምዕጻው እውን እቲ ዋሕዚ ገና ይቕጽል ኣሎ።

ልዕሊ 10,000 ኤርትራውያን እቲ ዶባት ካብ ዝተኸፍተሉ ኣብ ዝነበራ ቀዳሞት 20 መዓልታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዝሕብር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ ምዕጻው ዶባት እዉን ካብ 250 ክሳዕ 300 ኤርትራውያን ዕለታዊ ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ምህላዎም የረድእ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ 170,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዎም እዩ ዝግለጽ። ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት፡ ዝዛይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ቊጠባዊ ህይወት ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ጸቕጢ ፈጢሩ መነባብሮ ስደተኛታት ክኸብድ ይገብር ምህላዉ እዩ።

መብዛሕትኦም መንእሰያት ስደተኛታት ካብ’ተን ኣዕለቕሊቐን ዘለዋ መዓስከራት ወጺኦም ናብ ከም ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ክግዕዙ እዮም ዝመርጹ። ስለዝኾነ፡ ኣብተን ከተማታት ስራሕ ክረኽቡን ነቲ ዝንህር ዘሎ ዋጋታት ክራይ ገዛ ኽሽፍኑን ኣዝዮም ይጽገሙ ኣለው።

 “ ክራይ ገዛ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣዝዩ ክባር’ዩ። ዋላ’ውን ስራሕ እንተረኸብካ ኽትሽፍኖ ዝከኣል ኣይኮነን፡” ይብል ከም መራሒ ታክሲ ኮይኑ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ዝሰርሕ ዘሎ ኣብነት ዝስሙ ኤርትራዊ ስደተኛ። ሰባት ንሓንቲ መደቂሲ ክፍሊ ካብ 150 ክሳዕ 200 ዶላር ኣሜሪካ እዮም ዝኸፍሉላ። እቲ መጠን ገንዘብ ወርሓዊ ብቐጻሊ ኽትረኽቦ ዘይከኣል እዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ 2019 ዘጽደቐቶ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ይረብሕሉ’ኳ እንተለው፡ ብዙሓት ካልኦት’ውን ኣብ’ታ ሃገር ኽነብሩን ኽወሃሃዱን ይጽገሙ ምህላዎም እዩ ዝሕበር። ገለ ኤርትራውያን ናብ ካልኣይን ላዕለዎትን ደረጃታት ትካላት ትምህርቲ ኽጽንበሩ ዘኽእልዎም ናይ ትምህርቲ ሰነዳት ካብ ዓዶም ኽማልኡ ስለዝጽገሙ ትምህርቶም ክቕጽሉ ዝሽገሩ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ’ቲ ልዑል ቊጽሪ ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ዝረኣየሉ ቊጠባ ኢትዮጵያ ተወዳደርቲ ኪኾኑ ይኸብዶም።

እዞም ጸገማት ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝብእስ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ተደሚሮም ንሓያሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመንገዲ ሱዳንን ሊብያን ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዝተናውሐን ሓደገኛን ጉዕዞ ስደት ኽምድቡ ይደፍእዎም ከምዘልዉ ይንገር።

ገለ ውሑዳት ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ናብ’ታ ዝሓሸ ፖሊሲ ስደተኛታት፡ ከምኡ’ውን ዕድላት ስራሕ፡ ትምህርቲን ወፍሪን ከምዘለዋ ዝንገረላ ኡጋንዳ ብመንገዲ ኬንያ ኽበጽሑ ይህቅኑ።

TMP 20/11/2019

ስእሊ፥ ፋይቭፖይንትሲክስ/ ሻተርስቶክ ኮም

ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን እትርከብ ኢትዮጵያዊት ከተማ ደውሓን