ሊብያ፥ ምድጓን ስደተኛታት ከም ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ

መንግስቲ ሊብያ ካብ መዳጎኒ ማእከላት ስደተኛታት ልዑል ገንዘባዊ ኣታዊ የኻዕብት ከምዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝለሓዄ ሓደ ሰነድ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክፍለጥ ተኽኢሉ። እቲ ልሒዂ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘረድኦ መዳጎኒ ማእከላት ስደተኛታት ንሰብ-መዚ ሊብያ ከም ምንጪ ኣታዊ ኾይነን ምህላወን እዩ።

እቲ 13 ዝገጻቱ ዝለሓዄ ሰነድ፡ ኣብ ውሽጢ እተን መዳጎኒ ማእከላት ዝረአ ሰብኣዊ ግህሰት ብዝርዝር ኣቐሚጡ ኣሎ። ዝበዝሑ ካብ’ቶም ኣብ’ተን ማእከላት ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ዝተመልሱ ምዃኖም እዉን እቲ ሰነድ የረድእ።

ህይወት ናይ’ቶም ኣብ ሊብያ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ንምድሓን ቅልጡፍ ስጒምቲ ኽውስደ ዝጸውዐ እቲ ሰነድ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምንካይ’ቶም ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ዝዓመሞ ስራሕ እዉን ካብ ምምስጓስ ኣይተቖጠበን።

እቲ ምስጢራዊ ክኸዉን ዝተሓስበ ሰነድ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ወግዓዉያንን ዘይወግዓውያንን መዳጎኒ ማእከላት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣስታት 5,000 ስደተኛታት ብዙሕ ሓበሬታ ኣቐሚጡ ኣሎ። ገለ ካብ’ተን ስደተኛታት ተድጒኖምለን ዘለዋ ማእከላት እዉን ብዕጡቓት ምልሻ ዝመሓደራ ከምዝኾና እቲ ሰነድ የረድእ።

ገለ መዳጎኒ ማእከላት ንዝሕዝኦም ስደተኛታት ኣስማቶም ብግቡእ ኽምዝግባ ከምዘይመርጻን ብብልሽውናን ብላዕን ዝልለያ ከምዝኾናን ዘነጸረ እቲ ሰነድ፥ ገለ ካብኣተን እዉን ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቅ-ሰብ ብቐረባ ከምዝሰርሓ ይሕብር።

ኤውሮጳዊ ሕብረትን  መንግስቲ ጥልያንን ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምዕጋት’ቶም ናብ ኤውሮጳ ዝብገሱ ስደተኛታት ብንጥፈት ክሰርሓ ገንዘባዉን ስልጠናውን ሓገዛት ይገብሩ ምህላዎም ይፍለጥ። ኮይኑ ግን እቶም ሓገዛት ኣብ ምጒዳልን ምዕጋትን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት እምበር ኣብ ምውሓስ ድሕነትን ህይወትን እቶም ስደተኛታት ዘድሃቡ ከምዘይኮኑ እዮም ብሓያሎ ወገናት ዝውቀሱ።

ሓገዝ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ቦታኡ እንዳሃለወ ግን መንግስቲ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ስደተኛታት ዘሎ ኣተሓሕዛ ኸመሓይሽን ኣብ’ተን ማእከላት ብቐጻሊ ዝረአ መስወርቲ ስደተኛታት ኽገትእን ኣይረአን ዘሎ ።

መንግስቲ ሊብያ ኣብ’ተን መዳጎኒ ማእከላት ዝምዝገብ ዘሎ በደላት ኣብ ምግታእ ክሰርሕ ድሉው ከምዘየለ ዘመልከተ እቲ ዝለሓዄ ሓበሬታ፡ ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ ውሽጢ እተን ማእከላት ዝምዝገብ ዘሎ ሕሱም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኸይቃላዕን እተን ማእከላት ምንጪ ገንዘባዊ ኣታዊ ንሰብ መዚ ሊብያ ኾይነን ምህላወን ኸይፍለጥን ከምዝኾነ ይእምት።

ብዘካ’ዚ እዉን ኮሚተ ሲቪል ሊበርቲስ ፓርላማ ኤውሮጳ ሕብረት ምስ’ዚ ተርእዮ ምትሕሓዝ ኽህልዎም ንዝኽእል ገለ ሰበስልጣን ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምልላይ መርመራ ኸተካይድ ወሲና ምህላዋ ተፈሊጡ ኣሎ።

TMP 25/11/2019

ስእሊ፥ ባምብል ዲ/ ሻተርስቶክ ኮም

ወተህደራዊ ልብሲ ምክልኻል ሊብያ