ብመንገዲ ፈይስ-ቡክ  ን ‘ዘ-ማይግራንት ፕሮጀክት’ እተካፍሉዎ ሓበሬታ

እዚ ፖሊስ እዚ፡ ‘ዘ-ማይግራንት ፕሮጀክት’ ብኸመይ ነቶም ብዛዓብ ኩነታትኩም ብመንገዲ ናይ ፈይስቡክ ፎርምታት (Forms) እተካፉልዎ ዉልቃዊ ሓበሬታታት ይሕልዎምን ይጥቀመሎምን ዘነጽር’ዩ።

 

ከመይ ዝበለ ሓበሬታ ኢና ንእክብን ነጻፍፍን፧

ካብ ናይ ፈይስቡክ ገጻትና ዝምረሓልኩም ወይ ክትረክብዎ ኣብ እትኽእሉ ናይ ርክብ ፎርምታት ትመልእዎ ሓበሬታ ፡ ብፍላይ ኣስማትኩምን ቊጽሪ ቴሌፎንኩምን ንእክብን ነጻሪን። ብዘይካዚ ነቲ ፎርም ዝመላእክምሉ ሰዓትን ዕለትን ፡ ዝተጠቐምኩሙሉ ቋንቋን ብዝምልከት ሓበሬታ ነዋህልል።

 

ትህቡና ሓበሬታ ምስ መን እዩ ዝካፈል፧

እትህቡና ሓበሬታ ፡ ንጠለባትኩም ኽምልሱን ከወሃህዱን፡ ብቐንዱ ድማ ብዛዕባ ስደት ምኽራዊ ሓገዛት ኽህቡ ዝስራሖም ኣባላት ‘ዘ ማይግራንት ፕሮጀክት ፡ ማለት  ማናጀር ሓበሬታ፡  ኣማኸርቲ ኣብ ጉዳይ ስደትን ናይ ቀጥታ ሓለፍቶምን  ጥራይ ይካፈልዎ። ውልቃዊ ሓበሬታኹም ንሳልሳይ ኣካል ኣይነካፍልን።

 

እትህቡና ሓበሬታ ብኸመይ ንጥቀመሉ?

ብዛዕባኹም እትህቡና ሓበሬታ ነቲ ተሰማሚዕኩም እትጠልቡና ሓገዝ ንምምላእ ጥራይ ኢና ንጥቀመሉ። ኣብ’ቲ መሊእኹም እትሰዱልና ፎርም ተካፍልዎ ዉልቃዊ ሓበሬታ ተሞርኪስና ኽንደሃየኩም፡ ነጻ ምኽራዊ ኣገልግሎት ካብ ኣባላትና ንኽትረኩ ኽንሕግዘኩምን የኽእለና ማለት’ዩ።

 

እተካፉሉና ሓበሬታ ኣበይ ይኽዘን/ይስነድ፧

ሓበሬታ ኣብ ውሑስን፡ ዝምልከቶም ኣባላትና ጥራይ ኽዉከስሉ ዝከኣል ናይ ጉግል-ሺት (Google Sheet) እዩ ዝኽዘን። ብዘይምልከቶ ኣካል ክወጽእ፡ ክሕተም ወይ’ውን ክባጻሕ ድማ ኣይከኣልን።

 

ሓበሬታ ክሳዕ መዓስ ይኽዘን፧

ክሳዕ ዝጠለብኩምዎ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝማላእ፥ ብዝሃብኩምና ሓበሬታ መሰረት ክንረኽበኩም ብዘይምኽኣልና እቲ ኣገልግሎት ክሳዕ ዝስረዝ፥ ከምኡ’ውን ብተሌፎን ይኹን ብፈይስ-ቡክ ንዝወሃብ ምኽራዊ ኣገልግሎት ደጊም ከምዘየድልየኩም ክሳዕ ትሕብሩና፡ ሓበሬታኹም ኣብ መኽዘን ይጸንሕ።

 

ሓበሬታኹም ንምጽፋፍ ኣብ እነካይዶ ስራሓት ዘለዉኹም መሰላት ከመይ ዝበሉ እዮም፧

ኣብ ዝኾነ ግዜ ብፈይስ-ቡክ ጽኺፍኩም፡  ኣካፊልኩምና ዘለኹም ሓበሬታ ኪሕከኽ ጠለብ ከተቕርቡ ምሉእ መሰል ኣለኩም። ብዘይካ’ዚ ፡ በብእዋኑ እተካፉሉና ሓበሬታ ኣበየናይ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ኪትሓቱ ትኽእሉ።