ቅሉዓት ሓደጋታት ንቆልዑን ደቀንስትዮን
ቆልዑን ደቀንስትዮን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ሓለፋ ካልኦት ስደተኛታት ንምዝመዛን ዓመጽል ዝተቓልዑ እዮም። ከቢድ መግረፍቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ባርነታዊ ሽቕለትን ካልኦት በደላትን ኣብ ልዕሊ ቆልዑን ደቀንስትዮን ስደተኛታት ዝኸበደ ስምብራት የትርፉ። ሓያሎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ደቀንስትዮ ስደተኛታት ቅድሚ ናብ ሊብያ ምብጋስን ኣብ ሱዳን መድሃኒት መከላኸሊ ጥንሲ ክወስዳ ምርኣይ ንቡር እዩ። እቲ መድሃኒት ባዕላተን ዝወስድኦ ወይ’ውን ብኣሰገርተን ዝወሃበን ኮይኑ፡ እቲ ዕላማ ኣብ ጉዕዞአን ብዕጡቓት ጉጅለታትን ኣሰጋገርቲን ከይወረደን ብዘይተርፍ ጾታዊ ዓመጽ ዝስዕብ ዘይተደልየ ጥንሲ ንምግታእ እዩ።
ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ዘሕልፍዎ ጸገማት እቲ ዝመረረ እዩ። ቆልዑ ስደተኛታት ቀጻሊ ክግረፉ፡ ክጭወዩ፡ ክዕመጺን ብግዴታ ክሽቅሉን ይረኣዩ። ብፍላይ ብዕጡቓት ገበነኛታት ኣብ ዝጭወዩሉ ዝወርዶም ምዝመዛ ኣሰቓቒ ከምዝኾነ ስኑድ ሓበሬታ ኣሎ። ብኣስገርቶም ናብ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝሽየጡ ቆልዑ እውን ክሳዕ ዝወጸኣሎም ዋጋ ብኽፍሊትን ብጉልበትን ዝመልሱ ኣብ ዝተናውሐ ባርነት ከምዝወድቊ ይንገር።
ኣብ ከም ሊብያ ዝኣመሰላ መሰጋገርቲ ሃገራት ፡ ቆልዑ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ክተሓዙን መሰረታዊ ጠለባት ሂወት ተነፊጉዎም ከይኣክል ድማ ንቐጻሊ መግረፍትን ምዝመዛን ክቃልዑ ምርኣይ ልሙድ እዩ።