እቲ ሓደገኛ መስመር ጉዕዞ ብመንገዲ ሊብያ

ሊብያ እታ ኤርትራውያንን ኢትዩጵያውያንን ዝርከብዎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ናብ ኤውሮጳ ዝጥቀሙላ ሃገር ኮይና ዘላ’ያ። ሙዓመር ጋዳፊ  ኣብ 2011 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ፡ ሊብያ ብዘይ ዝኾነ ማእከላይ መንግስትን ኣውሓሲ ዘቤታዊ ጸጥታን ተሪፋ ኣብ ዘይነጽፍ ቅልውላውን ስርዓት-ኣልቦነትን ወዲቓ፡ ዕጡቓት ገበነኛታትን መርበባት ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋርን ደቅ-ሰባትን ብዘይቀይዲ ዝስሱኑላ ዘለው ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ። በዚ ምኽንያት፡ እቶም ብመሬታ ኣኳሊሞም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዝፍትኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ኢድ እቶም ንደፋእቲ ጸገማት ስደተኛታት ናብ ረብሓኦም ክቕይሩዎ ዝመርጹ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብን ዕጡቓት ጉጅለታትን ወዲቖም ንቐጻሊ ኣካላዊ ምዝመዛን ጾታዊ ዓመጽን ይቃልዑ ኣለው።

ብሊብያ ዝሓለፉ ስደተኛታት ኣብ ዘዘንትዉዎም ሓቅታት ፡ ሕሱም መግረፍትን ምፍርራህን፥ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ድጎና፥ ባርነታዊ ስራሕን ካልእን ዝኣመሰሉ ኣሰቀቕቲ ተግባራት ኣብ ልዕሊኦም ከምዝወርድ’ዩ። ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ሓያሎ ስደተኛታት መጓዓዝቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክቕተል ዝረኣዩ ከምኡ’ውን ንባዕላቶም ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጸሖም እዮም።

ሓይሎ ኤርትርውያን ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ንነዊሕ ግዜ ክተሓዙ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ’ቶም ማእከላት ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ በደላት ቀይዲ የብሉን። ቀጻሊ መግረፍትን ጾታዊ ዓመጽን ብኣባላት ሓለዋን ገለ እሱራትን፥ ግዱድ ሸቕሊ፥ ኣዚዩ ትሑት ቀረባት መሰለራትዊ ጠለባት ሂወትን ኣገልግሎታት ሕክምናን ገለ ኣብነታት እዮም።

ብመንገዲ ሊብያ ናብ ኣህጉሩ ብዝውሕዝ ዘሎ  ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ተጣሪዑ ዘሎ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፡ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ምስ ሊብያ ክተሓጋገዝ ይረአ ኣሎ። ነተን ስደተኛታት ጽዒነን ካብ ገማግም ሊብያ ንምዕጋት ፡ እቲ ሕብረት ንኣህዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝህቦ ዘሎ ስልጠናታት ቀጥታዊ ኣብነት’ዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማያዊ ግዝኣት ሃገሩ ንዝቕይዶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ መሬት ሊብያ ይመሶም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ማያዊ ግዝኣት ክነጥፋ ዝጸንሓ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ምድሓን ሂወት ከኣ ስራሐን ደው ከብላ ኣዚዙ ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ዝካየድ ስርሒታት ምድሓን ሂወት ድሕሪ ደጊም ኣይክህሉን’ዩ።

ዝሓለፈ ገጽ
ኣካፍሉ