ፖሊስ ኢጣልያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይተን ዝተረኽባ አቀንስትዮ ተቐቲለን እንተዀይነን ይምርምር

ስእሊ፦ ANSA
ህይወት ዘድሕኑ፡ ኣብ ወደብ ሳሌርኖ፡ ኢጣልያ፡ ካብ ስጳኛዊት መርከብ ካንታብሪያ ሬሳ የልዕሉ
ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግራ ኽፍትና ኸለዋ ናይ ዝሞታ 26 ናይጄርያውያን ኣንስትን ኣዋልድን ሬሳታት ብ5 ሕዳር ከምዝተረኽበ ፖሊስ ኢጣልያ ሓቢሩ።
እቲ ሬሳታት ክፋልናይቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝምራሕ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣንጻር ኣስጋገርቲ ሰባት ስርሒታት ዘካይድ ስርሒት ሶፊያ ብዝዀነት ስጳኛዊት መርከብ ካንታብሪያ እዩ ናብ ኢጣልያዊት ወደብ ሳሌርኖ ተወሲዱ። መርከብ ካንታብሪያ ኣብ ሓንቲ ዝጠሓለት መርከብ 23 ኣብ ካልእ ድማ 3 ሬሳታት ረኺባ። ሱሳ ሰባት ክድሕኑ ኸለዉ፡ 53 ካልኦት ገና ደሃዮም ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ኣፈኛ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ማርኮ ሮቱኖ፡ እቲ ሬሳታት ክኣቱ ኸሎ ብጾቱ ኣብ ወደብ ሳሌርኖ ኸምዝነበሩ ይገልጽ። “ኣዝዩ ብርቱዕ ኣጋጣሚ እዩ ኔሩ፡” ይብል። “ሓንቲ ናይጄርያዊት ሰበይቲ ሰለሰተ ደቃ ስኢና።”
ኢጣልያውያን ኣኽበርቲ ሕጊ እተን ካብ 14 ክሳብ 18 ዝዕድሚአን ደቀንስትዮ በደል ወሪድወን ተቐቲለን ከይኰና ብዝብል ጥርጣረ መርመራ ኸፊቱ ኣሎ።
ሮቱኖ ወሲኹ፡ 90% ካብተን ደቀንስትዮ ኣብ ኣካላተን ስምብራታትን ካልእ ምልክታት በደልን ሒዘን መሬት ከምዝበጽሓ ይገልጽ። “በደል ዘይወረዳ ሰበይቲ ሳሕቲ እያ ተጋጥም፡ እዚ ውን ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት፡ ንኣብነት ምስ ሰብኣያ ትጕዓዝ እንተላ። በይነን ምስ ደቀን ዝጕዓዛ ደቀንስትዮ በደል ወሪድወን እዩ።”
ኢጣልያውያን መርመርቲ እተን ደቀንስትዮ ግዳያት ጾታዊ መሸጣ ኸምዝነበራ ዘርኢ ምልክታት ከምዘይረኸቡ ይገልጹ። ሕቡራት ሃገራት ግና 80% ናይተን ኢጣልያ ዝኣትዋ ንኣሽቱ ናይጄርያውያን ድሮ ኣብ ኢድ ኣማጻእቲ ኣትየን ይጸንሓ ወይ ውን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ኢዶም ይወድቃ ምዃነን ይገልጽ።
ክልተ መራሕቲ ናይ ሓንቲ ኻብተን ጃላቡ ኸምዝነበሩ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ኢጣልያ ተታሒዞምን ተኸሲሶምን ኣለዉ። እቶም በቶም ዝደሓኑ ሰባት ዝተለለዩ ሰብኡት ኣልመብሩክ ውሳም ሓራር ካብ ሊብያን መሓመድ ዓሊ ኣልቡዚድ ካብ ግብጽን እዮም።