እዚ መርሓ ብሕትና ንዝዀነ ይኹን ነዚ መርበብ ሓበሬታ ኽትጥቀሙ ኸለኹ ን’ዘ ማይግራንት ፕሮጀክት’ እትህብዎ ሓበሬታ ‘ዘ ማይግራንት ፕሮጀክት’ ብኸመይ ከምዝጥቀመሉ የነጽር።
‘ዘ ማይግራንት ፕሮጀክት’ ብሕትናኹም ንምሕላው እሙን እዩ። ነዚ መርበብ ሓበሬታ ኽትጥቀሙ ኸለኹም መለለዪ ዝዀነና ገለ ሓበሬታ ኽትህቡ ምስእንሓተኩም፡ ብመሰረት እዚ መግለጺ ብሕትና ጥራይ ክንጥቀመሉ ምዃንና ኽትተኣማመኑ ትኽእሉ።
‘ዘ ማይግራንት ፕሮጀክት’ ነዚ ገጽ እዚ እናኣሐደሰ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነዚ መርሓ እዚ ክቕይሮ ይኽእል። እቲ ለውጥታት ከምዝሰማምዓኩም ከተረጋግጹ ዘወትር ነዚ ገጽ ክትርእይዎ ይግባእ።
እንእክቦ
እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኽንእክብ ንኽእል፦
- ከም ኣድራሻ ኤለክትሮናዊ ደብዳበ ዘጠቓልል፡ ሕቶ እንተሓቲትኩምና እትገድፍዎ መራኸቢ ዝኸውን ሓበሬታ
- ናይ ኮምፒዩተርኩም ኣሃዛዊ ኣድራሻ (IP adress)
- ነዚ መርበብ ሓበሬታ ብኸመይ ከምእትጥቀሙሉ
ነቲ እንእክቦ ሓበሬታ እንታይ ከምዝኸውን
ነዚ ሓበሬታ ተጠቒምና እንታይ ከምዘድልየኩም ብምርዳእ ነዚ መርበብ ሓበሬታ ነማዕብሎ። በቲ ሓበሬታኹም ተጠቒምና ብውልቂ ኣይነለለየኩምን ኢና።
ውሕስነት
ሓበሬታኹም ምሑስ ክኸውን ንምርግጋጽ ዝተወፈና ኢና። ዘይፍቑድ ኣጠቓቕማ ሓበሬታ ወይ ምቕላዕ ሓበሬታ ኸይህሉ ንምርግጋጽ ነቲ ብመርበብ ሓበሬታና እንእክቦ ሓበሬታ ድሕነቱ ዝሕልዉን ውሕስነቱ ዘረጋግጹን ኣገባባት ድሕነት ሰሪዕና ኣለና።
ሓበሬታ ዝእክብ ኣሃዛዊ ተለኣኺ (cookies) ብኸመይ ከምእንጥቀመሉ
ተለኣኺ ኣብ መሰነዲ ተዘክሮ ኮምፕዩተርካ ክቕመጥ ፍቓድ ዝሓትት ንእሽቶ ኣሃዛዊ ሰነድ እዩ። ምስተሰማማዕካ እቲ ሰነድ ኣብ ኮምፕዩተርካ ይውሰኽ እሞ፡ ኣብ መርበብ ብዛዕባ ዝግበር ምንቅስቓስ ትንታነ ንምክያድ ይሕግዝ ወይ ድማ ሓደ በይኑ መርበብ ሓበሬታ ኽትበጽሕ ከለኻ የፍልጠካ። ተለኣኽቲ፡ ኣጣቐምቲ (applications) መርበብ ሓበሬታ ንዓኹም በብውልቂ ከለልዩኹም ይሕግዙ። ኣጣቓሚ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ንምርጫታትኩም ዝምልከት ሓበሬታ ብምእካብን ብምዝካሩን ኣብ ዘድልየኩም ነገራት፡ እትፈትውዎን እትጸልእዎን ነገራት ተመርኲሱ ናባኹም ዘተኰረ ስርሑ ብፍሉይ ንዓኹም ብውልቂ ዝሰማማዓኩም ከምዝኸውን ይገብር።
መመዝገቢ በጻሕቲ ዝኸውን ተለኣኽቲ ተጠቒምና ኣየኖት ገጻት ይብጽሑ ኸምዘለዉ ነለሊ። እዚ ነቲ ሓበሬታ ብምትንታን ናብ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ዝህሉ ዋሕዚ በጻሕቲ ተረዲእና ንምርበብ ሓበሬታና ንድሌታኩም ከምዝምልስ ኰይኑ ኽምዕብል ክንገብር ይሕግዘና። ነዚ ሓበሬታ ንስታቲስታካዊ (ስነሃለዋታዊ) ትንተና ጥራይ ተጠቒምና ካብ ስርዓተመዛግብና ንኣልዮ።
ልዕሊ ኹሉ፡ ተለኣኽቲ ኣየናይ ገጻት ዝያዳ ጠቓሚ ወይ ዘይጠቓሚ ዀይኑ ኸምእትረኽብዎ ክንዕዘብ ኣኽኢሎም ዝሓሸ መርበብ ሓበሬታ ኽንቅርበልኩም ይሕግዙና። ተለኣኺ፡ ብዘይካ እቲ ክትህቡና ፍቓደኛታት ዝዀንኩምሉ ሓበሬታ፡ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንኮምፕዩተርኩም ክንጥቀመላ ወይ ካልእ ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ኽንእክብ ዘፍቅደልና ኣይኰነን።
ንተለኣኽትና ኽትቅበልዎ ወይ ክትነጽግዎ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕትኡ መዳህሰሲ መርበብ (web browsers) ንተለኣኽቲ ከም ዘለውዎ ብቐጥታ ይቕበሎም። እንተዀነ ግና ንኣሰራርሓ መዳህሰሲኹም ብምምዕርራይ እንተመሪጽኩሞ ተለኣኽቲ ከምዝነጽግ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚ ምምራጽ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብዝለዓለ መልክዑ ኻብ ምጥቃም ክዓግተኩም ይኽእል።
ናብ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ዘምርሑ ኣተሓሓዝቲ (links)
መርበብ ሓበሬታና ናብ ካልኦት ዘገድሱ መርበባት ሓበሬታ ብቐሊሉ ዝመርሑ ኣተሓሓዝቲ ከቐምጥ ይኽእል። እንተዀነ ግና ነቶም ኣተሓሓዝቲ ጠዊቕኩም ካብ መርበብ ሓበሬታና ምስወጻእኩም ኣብቲ ኻልእ መርበብ ሓበሬታ ሓላፍነት ክንስከመሉ ንኽእለሉ ቝጽጽር የብልናን። ስለዚ ድማ ንድሕነትን ብሕትናን ናይ ዝዀነ ነቲ በዚ መግለጺ ብሕትና እዚ ዘይቅየድ መርበባት ሓበሬታ ኽትበጽሑ ኸለኹም እትህብዎ ሓበሬታ ሓላፍነት ክንስከም ኣይንኽእልን ኢና። ብጥንቃቐ ኽትከድዎን ንመግለጺ ብሕትና እቲ መርበብ ሓበሬታ ብግቡእ ከተንብብዎምን ይግባእ።
ውልቃዊ ሓበሬታኹም ምቍጽጻር
ብሕጊ እንተዘይተገዲድና ውልቃዊ ሓበሬታኹም ናብ ካልእ ኣይነሕልፎን ኢና። ንስራሕ ምሽያጥ፡ ምርምር ዕዳጋ ወይ ካልእ ንግዳዊ ጥቕምታት ንዝዀነ ይኹን ካልእ ትካል ሓበሬታኹም ኣይክንህብን ኢና፡ ንዝርዝራትኩም ድማ ናብ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ኣይነሕልፎን ኢና።
ብመሰረት ሕጊ ድሕነት ሓበሬታ 1998 (Data Protection Act 1998) ዝርዝራት ናይቲ ብዛዕባኹም ዘለና ሓበሬታ ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ንእሽቶ ኽፍሊት ኣለዎ። ቅዳሕ ናይቲ ብዛዕባኹም ዘለና ሓበሬታ ኽወሃበኩም እንተደሊኹም ናብ admin@themigrantproject.org ጽሓፉ። ዝዀነ ካብቲ ካብቲ እንእክቦ ሓበሬታ ኸይንጥቀመሉ ኽትሓቱና ትኽእሉ ኢኹም።
ተለኣኽትን ብኸመይ ከምዝጠቕሙኹምን
መርበብ ሓበሬታና፡ ከምቲ ዳርጋ ኹሎም መርበባት ሓበሬታ ዝገብርዎ ምእንቲ ዝበለጸ ተመኵሮ ክቕርበልኩም እዩ ተለኣኽቲ ዝጥቀም።
ተለኣኽቲ መርበብ ሓበሬታታት ክትበጽሑ ኸለኹም ኣብ ተንቃሳቓሲት ተሌፎንኩም ወይ ኣብ ኮምፕዩተርኩም ዝቕመጥ ንኣሽቱ ናይ ጽሑፍ ኣሃዛዊ ሰነዳት እዮም።
ተለኣኽቲ ነዚ ዝስዕብ ይሕግዙና፦
- መርበብ ሓበሬታና ከምቲ ንስኻትኩም ትጽበይዎ ንኽሰርሕ
- ኣብቲ ትበጽሑሉ እዋናትን ኣብ መንጎኡን ንኣሰራርዓ ኣጠቓቕማኹም ይዝክር
- ፍጥነትን ድሕነትን ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ምምሕያሽ
- ናብ ከም ፈይስቡክ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ መርበባት ገጻት ክትሰድድ የኽእል
- ንመርበብ ሓበሬታና ብቐጻሊ ነማዕብለልኩም
- ንኣሸያይጣ ፍርያትና ዝጸፈፈ ይገብሮ (ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ንቕርበልኩም ኣገልግሎት በቲ ንቕርበልኩም ዋጋ ኽንገብሮ ይሕግዘና)
ንተለኣኽቲ ንኸምዚ ዝስዕብ ኣይንጥቀመሉን ኢና፦
- ብውልቂ ልሉይ ዝዀነ ሓበሬታ ምእካብ (ብዘይ ንጹር ፍቓድኩም)
- ተነቃፊ ዝዀነ ሓበሬታ ምእካብ (ብዘይ ንጹር ፍቓድኩም)
- ሓበሬታኹም ናብ ኣወዓዋዕቲ መርበባት ምሕላፍ
- ብውልቂ ልሉይ ዝዀነ ሓበሬታ ናብ ሳልሳይ ኣካላት ምሕላፍ
- ጻማ መሸጣ ምኽፋል
ብዛዕባ ኹሎም ንጥቀመሎም ተለኣኽቲ ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብ ታሕቲ ክትውከስ ትኽእል ኢኻ
ተለኣኽቲ ኽንጥቀም ንዓና ፍቓድኩም ምሃብ
ኣብ ኣሰራርዓ ኣጠቓቕማ ረቂቕንብረትኩም፡ ማለትታብ መዳህሰሲ መርበብ ዝርከብ ኣሰራርዓ ምርጫታትኩም ተለኣኽቲ ክቕበል ዝተሰርዐ ምስዝኸውን፡ ነቲ ኣሰራርዓን ንመርበብ ሓበሬታና ምጥቃም ምቕጻልኩምን ምስዚ ከምዝተሰማማዕኩም ንቘጽሮ። ክትኣልይዎ ወይ ድማ ናይ መርበብ ሓበሬታና ተለኣኽቲ ምጥቃም ከተቋርጹ ምስእትደልዩ፡ ብኸመይ ክትገብርዎ ኸምእትክኽእሉ ኣብ ታሕቲ ኸተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም፤ እንተዀነ ግና ከምኡ ምግባርኩም መርበብ ሓበሬታና ከምቲ ትደልይዎ ኣይክሰርሕን ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ናትና ተለኣኽቲ
ተለኣኽቲ መርበብ ሓበሬታና ንክሰርሕን ነዚዚ ዝስዕብ ንጥቀመሉ፦
- ኣገባብ ኣሰራርዓ ምድላይኩም ንምዝካር
ብዘይካ ንመርበብ ሓበሬታና ዘይምጥቃም ነዞም ተለኣኽቲ ዘይስርዑሉ ኻልእ ኣገባብ የለን።
ናይ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ተለኣኽቲ
ምእንቲ ብቐሊሉ ነቲ ኣብ ከም ፈይስቡክን ትዊተርን ዝርከብ ትሕዝቶና ምልክት ምፍታውኩም ክትገድፉሉ (Like ክትገብርዎ) ኣብ መርበብ ሓበሬታና ገለ ተጠወቕቲ መላጕም ገዲፍና ኣለና።
ተለኣኽቲ ብኸምዚ ይስርዑ፦
- መግለጺ ብሕትና– AddThis – ብዙሓት ንመካፈሊ ትሕዝቶ ዝዀኑ ተጠወቕቲ ኣብ ሓደ ጽፉፍ መጠርነፊ ይቕርበልና
ኣብ ብሕትና ዝህልዎ ትርጉም ሳዕቤን ካብ ማሕበራዊ መርበብ ናብ ካልእ ክፈላለ ይኽእልን ኣብቲ መርበባት ኣብ ዝመረጽኩምሉ ኣገባብ ኣሰራርዕ ብሕትናኹም ይምርኰስን።
ስታቲስቲካት ተለኣኽቲ ሽመሕጹራት በጻሕቲ
ንመርበብ ሓበሬታና ኽንደይ ሰባት ከምዝበጽሕዎ፡ ከመይ ዝመስል ንብረት ከምዝጥቀሙ ዘለዉ (ንኣብነት ማኪንቶሽ ወይ ዊንደውስ ብምምልላይ መርበብ ሓበሬታና ምስ ዝተፈላለየ ንብረት ብኸምቲ ዝግብኦ ኣይሰርሕን እንተልዩ ንምፍላጥ)፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኸምዝጸንሑ፡ ንኣየኖት ገጻት ከምዝምልከቱ ንምፍላጥ ንተለኣኽትና ንበጻሕቲ ዝምልከት ስታቲስቲካት ንምውህሃድ ንጥቀመሎም። እዚ ንመርበብ ሓበሬታና ብቐጻሊ ንኸነማዕብሎ ይሕግዘና። እዞም ‘ትንተናውያን’ (analytics) ተባሂሎም ዝፍለጡ ቀመራት፡ ሽም ብዘይጥቀሰሉ ኣገባብ፡ ነዚ መርበብ ሓበሬታና ብኸመይ (ንኣብነት ካብ ናይ ምድላይን ዳህሳን ሞተራት ዝዀኑ መርበባት) ከምዝበጽሕዎ ይሕብሩና፡ ከምኡ ድማ ቅድሚ ሕጂ ነዚ መርበብ ሓበሬታና በጺሖሞ እንተኔሮም ብምሕባር ኣብ ክንዲ ንፍርያትና ኸነሽይጥ ገንዘብ ነጥፍእ ነቲ ንዓኹም እንህቦ ኣገልግሎት ኣብ ምምዕባል ነውዕሎ።
ተለኣኽቲ ምዕጻው
ኣብ እትጥቀሙሉ መዳህሰሲ መርበብ ዝርከብ ኣገባብ ኣሰራርዓ ብምቕያር ተለኣኽቲ ኻብ ምቕባል ክትዓጽውዎ ትኽእሉ ኢኹም። (ኣብዚ ብኸመይ ከምእትገብርዎ ኣንብብቡ)። እንተዀነ ግና ናትናን ኣብ ዝበዝሐ ኣብ ዓለም ዝርከብ መርበባት ሓበሬታን ከም ስሩዕ ኣቃውማኦም ተለኣኽቲ ስለዝጥቀሙ ከምኡ ምግባር ዝህልወኩም ምሉእ ተጠቃምነት ከጽብበልኩም ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል እዩ።
ብዛዕባ ተለኣኽቲ ዘለኩም ስክፍታ ምስቶም ‘ሰለይቲ’ (spayware) ዝብሃሉ ረቀቕቲ ቐመራት ዝትኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ መዳህሰሲ መርበብ ተለኣኽቲ ምዕጻው ጸረሓደገኛታት ቀመራት ዝዓለመ ረቂቕንብረት ነቶም ወረርቲ ዝሕሰቡ ተለኣኽቲ ቐጥታ እንደምሰሰ ተመሳሳሊ ውጽኢት ከምዝህበኩም ከተስተውዕሉ ትኽእሉ። ኣብዚ ብዛዕባ ንተለኣኽቲ ብጸረሰለይቲ ቐመራት ብዛዕባ ምዕጋቶም ዝያዳ ኽትፈልጡ ትኽእሉ።