ሊብያ፥ ልዕሊ 200 ትእዛዛት ማእሰርቲ ኣሰጋገርቲ ሰባት
ሊብያ፡ ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳን ተዛማዲ ገበናትን ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ወጻእተኛታት ንምእሳር ልዕሊ 200 ትእዛዛት ማእሰርቲ ሂባ።
ኣካያዲ ቤትጽሕፈት መርመራታት ኣኽባር ሕጊ ሊብያ ሰዲቕ ኣ-ሱር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መገለጺ “ኣብ ምውዳብ ስደትን ምስግጋር ሰባትን፡ ሰባት ምስቓይ፡ ምቕታልን ጾታዊ ዓመጽን ዝተሳተፉ ሰባት ዝምልከት 205 ትእዛዛት ማእሰርቲ ሂብና ኣለና፡” ኢሉ።
ኣ-ሱር፡ ኣባላት ኣገልግሎታት ጸጥታ ሊብያ፡ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ዝርከቡ ሓለፍቲ፡ ኣባላት ኣብ ሊብያ ዝርከባ ኤምባሲታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብዎም ኣብቲ ናይ ምስግጋር ሰባት መርበብ ኢድ ከምዘለዎም ይጥርጠሩ።
እቶም ክሱሳት ኣብ ምስግጋር ሰባት፡ ምሻጥ ወይ ምስቓይ ሰባት፡ ሰባት ናብ ሊብያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ምእታው ወይ ድማ ስደተኛታት ኣብ ዘይጥዑያት ጃላቡ ናብ ባሕሪ ኣብ ምስዳድ ኢድ ከምዘለዎም እንተተረጋጊጹ ክሳብ ንዘመን ህይወቶም ብምሉኡ ኻሰሩ ኽፍረዱ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ምእታው እዚ ዓመት ብሓደ ሽማግለ ኽኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጸብጻብ ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ምስ ኣሰጋገርቲ ሰባት ምታስሳር ከምዘለዎም ከሲሱ ኔሩ። “ካብቶም ዝዓበዩ ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ ተቛረንቲ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣድሂቦም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምስግጋርን ምሽያጥን ሰባት ይሳተፉ ኣለዉ፡” ይብሉ እቶም ክኢላታት።
ምስ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ናይ ምምርማር ኣሻየጥቲ ሰባትን ምእሳር ኣስገጋርትን ዝርከቦ ዕዮ ዝተዋህቦ ናይ ፖሊስን ጸጥታን ሓላፍነታት ዝስከም ፍሉይ ከልካሊ ሓይሊ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ ስደተኛታት ብገንዘብ ንኣሰጋገርቲ ኸምዝሃበ እቶም ሽማግለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።
ኣብቲ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ ጥርጠራታት ብቓል እቲ ኣብቲ ኣካል ዝርከቡ ወገናት ብቕያር ገንዘብ ስደተኛታት ከምዝፈነዉ ዝገለጸ መርማሪ ኣብ ቤትጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ደሚቑ እዩ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ