ንስራሕ ኣብ ጉዳይ ስደት ዝሰርሓ ማሕበራት ዝውስን ሕጊ ኣብ ሃንጋሪ
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን
መንግስቲ ሃንጋሪ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣብ ስደት ዘድህባ ማሕበራት ዝለዓለ ቐረጽ ክውስን ዘኽእሎ ሓይሊ ዝህብ ሕጊ ክጸድቅ ኣምሪሑ ኣሎ። እቲ ስጕምቲ ቀቅድሚ እቲ ንሚያዝያ 8 ኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ምርጫ ኣባላት ፓርላማ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
“ዜጋታት ሳልሰይቲ ሃገር ናብ ሃንጋሪ ኽኣትዉ ወይ ኣብ ሃንጋሪ ኽጸንሑ ብመገዲ ሳልሰይቲ ሃገር ኣትዮም ኣህጉራዊ ዑቕባ ኽረኽቡ ዝድግፋ” ማሕበራት ስደት ዝድግፋ ማሕበራት ከምዝሕሰባ እቲ ክጸድቕ ዝድለ ዘሎ ሕጊ ይሕብር። ተጣበቕቲ፡ ወለንተኛታት ዘስርሓ፡ ሓብሬታ ዘፍርያን ዝዝርግሓን ማሕበራት ውን ኣብቲ መስርዕ እቱዋት እየን።
እቲ ሕጊ እንተጸዲቑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃንጋሪ ነተን ‘ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ’ ምዃነን ዝመደበን ትካላት ፍቓድ ክኽልክለን ይኽእል።
ስደት ዝድግፋ ትካላት ካብ ዝረኽብኦ ወፈያ 25% ዝበጽሕ ግብሪ ምስላዕ፡ ንንጡፋት ተጣበቕትን ምስ ሃገራዊ ድሕነት ሃንጋሪ ዘይቃዶ ንጥፈታት ምክያድን ዝዕንቅጽ ትእዛዛት ምሕላፍ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ክጸድቕ ዝድለ ዘሎ ሕጊ እዮም።
ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት እቲ ስጕምቲ ኣንጻር ስራሕን መሰላትን ሰብኣዊ ማሕበራት ዝቐንዐ ውጹእ ዓመጽ ምዃኑ ይገልጻ ኣለዋ።
ኣካያዲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኤውሮጳ ዝዀነ ጋውሪ ቫን ጉሊክ፡ “ስደተኛታት ዝድግፋ ማሕበራት ግብረሰናይ ዝቐጽዕ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ማሕበራት ዝፍጸም ኣዝዩ ዘሰምብድን ዘይፍትሓውን መጥቃዕቲ እዩ፡” ይብል።
“ኣብ ሓቂ እዚ እማመታት ምስ ምሕላው ሃገራዊ ድሕነትን ዶባትን ዘተኣሳስር የብሉን፡ ዕላማኡ ነቶም ንዝተጸገሙ ዝሕግዙን ድምጾም ከስምዑ ዝደፍሩን ንምሕናቕ እዩ።”
ምክትል ኣካያዲ ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኤውሮጳን ማእከላይ ኤስያን ዝዀነ ቤንጃሚን ዎርድ፥ “እዚ ዝእመም ዘሎ ኣንጻር እቶም ንስደተኛታት ዝሕግዙን ኣብ ሃንጋሪ ንዝርከቡ ሰባት መሰሎም ንኽረኽቡ ዝሕግዙን ሰባት ዝቐንዐ ሕግታት ሰባት ንዝሕግዙ ጉጅለታት ምጽላምን ድምጾም ምዕባስን እዩ ዕላምኡ፥” ይብል።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ