ብርቱዕ ቀዝሒ ዝበዝሖ ኩነታት ኣየር ንህይወት ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ መዕቈቢ ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ የእቱ
ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ መዕቈቢ ዘይብሎም ስደተኛታት ንዝሑል ኩነታት ኣየር ተባሂሉ ኣብ ዘይተዳለወ መዓስከራት ብርቱዕ ዛሕሊ ዘለዎ ሓጋይ ብዘስዓቦ ቀዝሕን ውርጭን ይሳቐዩ ኣለዉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ክሳብ -30° ሴንቲግሬድ ዝወረደ ካብ ኣርክቲክ ዝተበገሰ ቐዝሒ፡ ግሪኽን ቱርኪን ንዝርከብኦ ዝበዝሐ ክፋላት ማእከላይ፡ ደቡባውን ምብራቓውን ኤውሮጳ ሸፊንዎ ቐንዩ። ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ግሪኽ ክሳብ -18° ሴንቲግሬዳ ዝወረደ ቐዝሕን ክሳብ ሓደ ሜትሮ ዝበጽሕ ብራኸ ዘለዎ ሸፈኒ ውርጭን ተራእዩ።
ካብ ሃገራት ባልካን ናብ ማእከላይ ኤውሮጳ ዘሕልፍ መስመራት ስደተኛታት ኣብ መጋቢት 2016 ክሳብ ዝዕጾ ንድሓር፡ 60,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ግሪኽ ተኸርዲኖም ኣብ ዝባደመ ፋብሪካታትን መኻዚኖታትን፡ ከምኡውን ኣብ ዝተጨቓጨቐን መምወቒ ዘይብሉን ቴንዳታት ይቕመጡ ኣለዉ።
ሞይራ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ግሪኻዊት ደሴት ሌዝቦስ ዝርከብ መዓስከር፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ብቑዕ መዕቈቢ ኣብ ቃልዕ ኣብ ዝተተኽለ ቴንዳታት ዝቕመጡ 4,500 ስደተኛታት በቲ ኣዝዩ ዝሑል ኩነታት ኣየርን ውርጭን ክሳቐዩ ቐንዮም። ሓያሎ ኻብቲ ንግዝያዊ መጽለሊ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቴንዳታት ብልዑል ክብደት ናይቲ ዝወረዶ ውርጪ ተጸቒጡ ኽፈርስ ከሎ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ብብርታዐ ዛሕሊ ሃለዋቶም ኣጥፊኦም፡ እንተወሓደ ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ስደተኛ ኸምዝሞተ ተረጋጊጹ።
ብሰንበት፡ ኣብ ደቡባዊ ኽፋል ጀርመን፡ ፖሊስ ብብርቱዕ ዛሕሊ ናብ ሞት ዝቐረቡ 19 ስደተኛታት ረኺቦም። እቲ ዘስግሮም ዝነበረ በዓል መኪና፡ ኣብ መጽዓኒ ተዓጽዮም ከለዉ ኣብ ጐድኒ ጽርግያ ገዲፍዎም ንሰዓታት ምስተሰወረ ዛሕሊ ናብ -20° ሴንቲግሬድ ስለዝወረደ ናብ ሞት ኣቕሪብዎም።
ኣብ ቡልጋርያ፡ ኣብ ጥቓ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ኣኽራን፡ ዶብ ዝከታተሉ ፖሊስ፡ ሬሳታት ብሰንኪ ብርቱዕ ቀዝሒ ናይ ዝሞቱ ክልተ ዒራቓውያን ደቂ-ተባዕትዮን ሓንቲ ሶማላዊትን ረኺቦም።
ኣብ ሰርብያ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ኣዝዩ ብርቱዕ ዛሕልን ውርጭን እንተወሓደ ኣብ 11 ኸተማታት ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ ዝኣወጀትሉ ግዜ፡ ነቲ ዝተዓጽወ ዶብ ክሓልፍዎ ዘይከኣሉ 7,500 ስደተኛታት ብዘይምዉቕ መዕቈቢ ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ኣለዉ። ኣብታ ርእሰ-ኸተማ እታ ሃገር ዝዀነት፡ ብሰኑይ ትሕቲ -15° ሴንቲግሬድ ዝወረደ ዛሕሊ ኣብ እተሕልፍ ዝነበረት ቤልግሬድ፡ 1,500 ስደተኛታት ኣብ ዝባደመ መኻዚኖታት ተዓቚቦም ቀንዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ብሰንኪ’ቲ ሕሉፍ ቀዝሒ ሕክምናዊ ረድኤት ክሳዕ ዘድልዮም ዝተሃስዩ እዮም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ