ደቀንስትዮ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ግሪኽ ንሕሰምን ዓመጽን ይቃልዓ

ስእሊ፡ ግሪክ ሪፖርተር። ጓልንስተይቲ ስደተኛ ኣብ ግሪኽ።
ኣህጉራዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት (Human Rights Watch) ፡ ሰብ መዚ ግሪኽ ንድሕነት እተን ደሴት ሌዝቦስ ኣብ ዘለዋ ማእከላት ዝርከባ ደቀንስትዮ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዝሕልው ትሕተ ቅርጺን መሳለጥያታትን ዛጊት ዘይምውሓሶም ወቒሱ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መዓስከር ሞርያ ናይ ደሴት ሌዝቦስ ካብ ዝርከባ 25 ደቀንስትዮ ስደተኛታት ዝኣከቦ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ እተን ስደተኛታት ቀጻሊ ግዳያት ጾታውን ኣካላውን ዓመጽ፡ ከም’ውን ዝተፈላለዩ ጥዕናዊ ጸገማት ይኾና ከምዘለዋ እዩ። እቶም ጸገማት ብሰንኪ ኣብ’ቲ መዓስከር ዘሎ ትሑት ጸጥታዊ ውሕስነት ዋሕዲ ጽሬትን ኮይኑ፡ በቶም ክስተታት ብዝለዓለ ክጽለው ዝኽእሉ ተነቀፍቲ ወገናት ኣለሊኻ ግቡእ ሓገዝ ዘይምቕራብ እውን ተወሳኺ ጠንቂ እዩ።
እተን ምስክርነተን ዝሃባ ደቀንስትዮ ስደተኛታት ከምዝሕብረኦ፡ ሰብመዚ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ኣብ ልዕሊኤን ዝወርድ ዘሎ ዘየቋርጽ ጾታዊ ዓመጽ ንምግታእ ዛጊት ዝኾነ ጸጥታዊ ግብረመልሲ ከምዘየውሓሱ እየን ዝወቕሳ።
ደቀንስትዮ ስደተኛታት በይነን ኣብ ዝንቀሳቐሳሉ ብደቂ-ተባዕትዮ ስደተኛታት ጾታዊ ርክብ ብገንዘብ ከምዝሕተታ ፡ ስለዝኾነ ሓያሎ ካተን ስደተኛታት ብጉጅለ ክንቀሳቐሳን ብ ኣዛማደን ደቂ-ተባዕትዮ ስደተኛታት ክስነያን እየን ዝረኣያ።
ብሰንኪ እቲ ጸጥታዊ ስክፍታ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሽንቲ-ቤትን መሕጸቢ ሰውነትን በይነን ክኸዳ ከምዘይደፍራ ይሕበር። “ናብ ሽንቲ ቤት ወይ መሕጸቢ ሰውነት ክንከይድ እንተኾይና ካልኣይቲ ሰብ ክንማልእ ግድን እዩ፡ ተሰኒየና መሓዛ እንተሲእና ሰውነትና ክንሕጸብ ዝከኣል ኣይኮነን፡” ትብል 15 ዓመት ዝዕድሜኣ ስደተኛ ንትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት።
ኣብ መዓስከር ሞርያ ዝነጥፉ ኣካየድቲ ስራሕን ወለንታውያን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ከምዝገለጽዎ’ውን፡ ኣብቲ መዓስከር ተኸሲቱ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት እዂል ኣፍልጦ መንግስቲ ግሪኽ እኳ እንተሃለዎ ዛጊት ዝተማሕደረ ፍታሕ ከምዘየለ እዩ።
“ጥዕናውን ጸጥታውን ድሕነትን ደቀንስትዮ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ሞርያ ኣዚዩ ሓሲሙ እዩ ዘሎ። ምስ ምምጻእ ክራማትን ቀዝሕን ድማ እቲ ኩነታት ዝበኣሰ መልክዑ ክሕዝ’ዩ፡” ትብል ተመራማሪት ሰብኣዊ መሰላት ደቀንስትዮ ኣብ ኣህጉራዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነት ሂላሪ ማርጎሊስ።