ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ኽጕዓዙ ኸለዉ ብርቱዕ ጐነጽ ይወርዶም

TMP – 15/03/2017

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ናብ ኤውሮጳ ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብርቱዕ ዓመጽ ከምዝወርዶም ኣብ ቀረባ እዋን ብሓካይም ብዘይዶብ (ኤም ኤስ ኤፍ) ዝወጸ ጸብጻብ የረድእ።

እቲ Dying to Reach Europe: Eritreans in Search of Safety ‘ኤርትራውያን ኣብ ምድላይ መዕቀሊ’ ዘርእስቱ ጸብጻብ ምስ በቲ ጉዕዞ ዝሓለፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተገብረ ኣማኢት ዝርርባትን 106 ዓሚቝ ምስክርነታትን ዝተመርኰሰ እዩ። ኣብ መደባት ሕክምና ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ሊብያ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብተን ዝተጸገሙ ስድተኛታት ዘድሕኑለን መራኽብን ኤርትራውያን ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብቝስልታትን በሰላታትን ካልእ ምስ ምስክርነታቶም ዝኸይድ ከም ሕሉፍ ኣእምሮኣዊ ስምብራት ነውጽን ዝኣመሰለ ሕክምናዊ ጸገማትን ተሰኪሞም እዮም ዝኣትዉ።

ኤርትራውያን እቲ ንምርካቡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ቪዛ ከይሓዙ ካብ ሃገሮም ክወጹ ኣይፍቀደሎምን እዩ። እቶም ካብ ሃገሮም ከምልጡ ዝኸኣሉ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝርከብ መጽለሊ መደበራት ንዝተናውሐ ዓመታት ምጽናሕ፡ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ ጾታውን በደላት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ኣብ ሊብያ ከምኡ ድማ ሓደገኛ ምስጋር ባሕሪ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ህይወት 4,500 ሰባት ዝቐዘፈ ናብ ኤውሮጳ ዝወስድ ጉዕዞ ባሕሪ የጋጥሞም።  

ሓካይም ብዘይዶብ ዘዘራረብዎ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ኣብቲ ካብ ሃገሮ ክሳብ ኤውሮጳ ዝበጽሕ ጉዕዞ ብቐጥታ ወይ ተዓዘብቲ ብምዃን ግዳያት ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ምዃኖም ገሊጾም። ልዕሊ ፍርቂ ኻብቶም ስደተኛታት ካልኦት ስደተኛታት ክሞቱ ኸለዉ ከምዝራኣዩ ይገልጹ።

ሓንቲ ጓል 22 ዓመት ኤርትራዊት ብሰንኪ ጸቕጢ ናይቲ ጉዕዞ ጥንሲ ኸምዝተነጸላ ገሊጻ።  “ናብ ኤውሮጳ ኽንብገስ ናብቲ ገምገም ባሕሪ እናወሰዱና ፖሊስ ናባና ምስ ተኰሱ ደው ኣቢሎምና። በቲ ስምባደ ፍርሕን ጥንሰይ ተነጺሉ። ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥንሲ ኔሩኒ፡” ትብል።

ብመንግስቲ ሊብያ ኣብ ዝካየዱ ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ዝተታሕዙ ሰባት ዝበዝሕ እዋን ትሕቲ ፍርቂ ናይቲ ዘድልዮም ዓቐን መግቢ እዩ ዝወሃቦም። ኣብቲ ርስሓት ዝመልአ ዝዳጐኑሉ ማእከላት ተጨቓጪቖም ብምንባር ዝመጸ ሕማማት ቈርበት፡ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ከምኡውን ብርቱዕ ውጽኣት ልሙድ ተርእዮ እዩ። ዘጋጠሞም ኣካላዊ ማህሰይቲ ማህረምቲ ርእሲ፡ ብርቱዕ ሕበጥ ብልዕቲ፡ ዝተሰብረ ኣዕጽምቲ መንኵብ፡ ከምኡውን ብሰንኪ ኣብቲ መዳጐኒ ማእከላት ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ምቕትቃጥ ዝስዕብ ብርቱዕ በሰላታት የጠቓልል።  

ኩለን እተን ዝተሓተታት ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ብቐጥታ ወይ ከጋጥም ብምርኣይ ኣደዳ ብዝተፈላለዩ ሰባት ተደጋጊሙ ዝፍጸም ጾታዊ በደልን ምዕማጽን ኰይነን እየን።

ሓደ ኻብቶም ሓካይም ብዘይዶብ ዘዘራረብዎም ኤርትራውያን፡ “ኣሓትና ጾታዊ ዓመጽ ከጋጥመን ከሎ ምርኣይ እቲ ዝኸፍአ ነገር እዩ። ሕደጉ እንተበልካዮም ክቐትሉኻ ወይ ኣብ ምድረበዳ ኽድርብዩኻ እዮም።” ይብል።

ካብተን ዝተሓተታ ሓንቲ ጓል 20 ዓመት ኣደ፡ “ነዚ ጉዕዞ ሞት ብደሓን ሓሊፈ ኽብሎ ዝደሊ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብዚ ገጹ ኸይሓስብ እዩ። እቲ ዝሓለኩዎ መከራ ነቲ ዝኸፍአ ጸላኢየይ ኣይምተመነኹሉን። ክብርኻ ገፊፉ፡ ፍጹም ዝተደርበኻን ዋጋ ዘይብልካን እዩ ዝገብረካ፡” ትብል።