ጀርመን፡ ስደተኛታት ኣብ መዳይ ትምህርትን ስራሕን ይጓነዩ

ስእሊ፥ ጌቲ ኢሜጅስ። ስደተኛታት ኣብ ከተማ ድረስደን ናይ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ ናይ ቴንዳ መዓስከር መግቢ እንዳተጸበዩ።

ኣብ ጀርመን ስደተኛዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ኣብ መዳይ ትምህርቲ፡ ስራሕን ገንዘባዊ እትዋትን ካብ ዜጋታት እታ ሃገር ዝተሃስዩ ምዃኖም ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ስታትስቲክስ ጀርመን ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝዘርገሖ መጽናዕቲ ኣነጺሩ።
እቲ እዋናዊ መጽናዕቲ ከምዝዘርዘሮ፡ ኣብ ሞንጎ ስደተኛታትን ዜጋታት ጀርመንን ዘሎ ፍልልይ ካብ 2005 ዛጊት ከምዘይተመሓየሸን – ናይ ስደተኛ ድሕረባይታ ዘለዎም ወገናት ድማ ኣብ ምርካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ቊጠባውን ኣገልግሎታት ዝጓነዩ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ከምዝወድኡ ዝሕብር ምስክር-ወረቐት ናይ ዘይወኑን ካብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳዕ 25 ዓመት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ 2005 ከባቢ 11 ሚእታዊት ዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 ናብ ልዕሊ 12 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ ዘነጸረ እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዜጋታት እታ ሃገር ግና እቲ ኣሃዝ ከምዝጸንሖ ኣብ 4 ሚእታዊት ጸኒዑ ምህላው የረድእ።

እቲ መጽናዕቲ ወሲዂ፡ ስደተኛታት ካብ ዜጋታት ጀርመን ዝተሓተ ዕድላት ስራሕ ከምዝረኽቡ ኣስሚሩሉ ኣሎ። ሽቕለት ኣልቦነት እታ ሃገር ካብ 1990 ጀሚሩ ክትሕትን ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ድማ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ወሪዱሉ ኣብ ዘሎን እዋን፡ ስደተኛታት ካብ ዜጋታት እታ ሃገር ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ብኽልተ ዕጽፊ ዝተሓተ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ’ዩ እቲ መጽናዕቲ ዘረድእ።

ኪንዮ ትሑት ዕድላት ስራሕ – እቶም ዕድላት ስራሕ ዝረኽቡ ስደተኛታት ዝወሃቦም ደሞዝ ኣዚዩ ትሑት ብምዃኑ ፊናንስያዊ ቅልውላው ብቐጻሊ ከምዘሸግሮምን፡ ቊጽሪ ናይቶም ናብ ሕሱም ድሕነት ዝቃረቡ ስደተኛታት ድማ ናብ 13 ሚእታዊር ዛይዱ ምህላውን እውን ኣብ’ቲ እዋናዊ መጽናዕቲ ፈደረላዊ ቤት-ጽሕፈት ስታትስቲክስ ተነጺሩ ኣሎ።

ንግዳም ሓደርን መሰረታዊ ሓገዝ ዘድሊዮም ወገናትን ዝተሓጋገዝ ፈደረላዊ ጉጅለ እታ ሃገር ማለት (BAG) ዘርጊሑዎ ዘሎ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ከምዘብረሆ እውን፡ ቊጽሪ’ቶም ኣብ ጀርመን ብዘይ መጽለሊ ዝነብሩ ሰባት ኣብ 2014 335,000 ዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 ናብ 860,000 ከምዝደየበ እዩ። ፍርቂ ካብ’ዚኣቶም ማለት 440,000 ስደተኛታት ከምዝኾኑ’ውን እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።