ሊብያ፡ ስቓይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ድጎና

Image Source: IOM

ኣማኢት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ብሊብያዊ ምልሻ ዝመሓደር መዳጎኒ ማእከል እንዳተሳቐዩ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርጋሑ ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ብዛዕባ ድሕነት እቶም ግዳያት ከምዘተሓሳሰቦ ብወግዒ ገሊጹ።

እቲ ብሶማላዊ ጋዜጠኛ ተሰኒዱ ኣብ ከም ፈይስ-ቡክ ዝኣመሰሉ ገዘፍቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን ዝኾኑ ከባቢ 260 ስደተኛታት ብኸቢድ ሕሰምን ቀጻሊ መግረፍቲን ኣካላቶም ማህሚኑ ዘርእይ እዩ።

ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝሰነደ ሶማላዊ ጋዜጠኛ ምስቶም ግዳያት ንዝገበሮ ናይ ተሌፎንን ቪድዮን ዝርርብ ምርኩስ ብምግባር  ከምዝሓበሮ፡ እቶም ስደተኛታት ብዘይዝኾነ ምኽንያት ቀጻሊ ከምዝግረፉ፡ ንመዓልታት መግቢ ከምዝኽልኡ፡ ደቅንስትዮ ድማ ኣብ ክሉል ቦታ ከምዝተሓዛ ተገይሩ ብቐጻሊ ከምዝድፈራ እዩ ።

ብዘይካዚ ነቶም ስደተኛታት ዳጒኖም ዘለዉ ዕጡቓት – ናብ ስድራቤትን መቕርብን እቶም ግዳያት፡ ወገኖም እንዳተሳቐየን እንዳተገርፈን ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብተናጸል እንዳሰደዱ ካብ 8000 ክሳዕ 10,000 ዶላር ኣሜሪካ እንተዘይከፊሎሙሉ ወዶም ወይ መቕርቦም ክቕተል ምዃኑ የፈራርሑ ከምዘለዉ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ። ገለ ካብተን ስድራቤታት ደቀን ክሳዕ 6 ዓመታት ደሃዮም ኣጥፊኦም ዝጸንሑ እየን።

“ኣብዚ ንከባቢ ዓመት ተዳጒነ ኣለዂ። ኩሉ ግዜ ምስተገረፍኩ እየ። መግቢ ካብ ዝሕረመኒ 4 መዓልታት ኮይኑ እነሆ። ኣካላተይ ብመግረፍቲ በሲሉ’ዩ፡” ይብል ዓብዲናጂብ መሓመድ ዝተባህለ ድምጹ ኣብ’ቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተሰነደ ግዳይ ። ንሱ ወሲዂ፡ ዘሕልፉዎ ዘለዉ ጸገም ክትሓልፎ ከቢድን ኣብ’ዛ ዓለም ምንባርካ ዘመንንን ከምዝኾነ ፡ ዳጒኖምዎም ዘለው ዕጡቓት ድማ ዝለቅዎም ከምዘይመስሉ ይዛረብ።

ዳይረክቶር ስርሒታትን ምክልኻል ሓደጋታትን ኣህጉራዊ ዉድብ ስደተኛታት መሓመድ ዓብዲኬር ብዛዕባ እቲ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ዘሎ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ክዛረብ እንከሎ፥ “ንጹሃት ስደተኛታት እንዳተገርፉን እንዳተሳቐዩን ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ፈይስቡክ ክትዕዘብ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ነቶም ንማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ባይታ ተጠቒሞም ስደተኛታት እንዳሳቐዩ ብስእልታት ሰኒዶም ገንዘብ ካብ ስድራ ግዳያት ከካዕብቱ ዝጽዕቱ ዘለዉ ዕጡቓት ገበነኛታት ብመትከል ይዂንን፡” ይብል።

ዳይረክቶር ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝኾነ ኣሚን ዓዋድ ብወገኑ፡ ጭካነ እቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት በደላት ዝፍጽሙ ኣሰጋገርቲን ዕጡቓት ገበነኛታትን ዶብ ስኢኑ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ውድቡ ጉዳይቶም ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ከምዘተሓሳሰቦምን ንድሕነቶም ድማ ምስ ሰብ መዚ ሊብያ ክሰርሕ ምዃኑን ሓቢሩ ኣሎ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታትን መሻርኽቱ ዝኾና ትካላትን ምስ ሰብ-መዚ መንግስቲ ሊብያ ብምትሕብባር ነቶም ኣብ ድጎና ዘለዉ ስደተኛታት ሕክምናዊ ሓገዛት ይቕርቡ ንምልቃቖም  ይጽዕሩን ከምዘለው ክፍለጥ እንከሎ፡ ካብ’ቲ ስቓይ ምስተገላገሉ ናብ ሃገሮም ብወለንታኦም ክምለሱ ንዝመርጹ ወገናት ንምሕጋዝ እውን ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለው ይግለጽ ኣሎ።