ብሪጣንያ፡ ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝኸፍአት ሃገር
TMP – 10/03/2017
እንግሊዝ ካብተን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ንሓተትቲ ዑቕባ ዝኸፍአት ሃገር ምዃና፡ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ብዘየካየዶ መጽናዕታዊ ትንተና ኩነታት ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ኣረጋጊጹ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ምስ ጀርመን፡ ስጳኛ፡ ፈረንሳን ጥልያንን ክወዳደር ከሎ፡ ዝወሓዱ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ኽበጽሑ ከምዝኽእሉን ካብቶም ዝበጽሑ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝምለሰሎም ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ሓተትቲ ዑቕባ ክሳብ መልሲ ዝወሃቦም ክሰርሑ ኣይክእሉን እዮም። ብዙሓት ካብቶም ዝተፈቕደሎምውን ብዘይመግብን መንበርን ክሳቐዩ ይርኣዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣሌክስ ፍሬይሰር ዝተባህለ ኣካያዲ ደገፍ ስደተኛታት ቀይሕ መስቀል እንግሊዝ፡ ማእከላይ ገምጋም ናይቶም ኣብ ኤውሮጳ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ተቐባልነት ዝረክብ ስደተኛታት ካብ 63 ክሳብ 65% እዩ። ኣዝዩ ትሑት ቁጽሪ እትቕበል እንግሊዝ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ 2016 ን28% ካብቶም ናይ ዑቕባ ሕቶ ዘቕረቡ ጥራይ እያ ተቐቢላቶም።
ንሓተትቲ ዑቕባ ዝወሃብ ገንዘባዊ ደገፍ ካብቲ ናይ ስጳኛ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ እንግሊዝ ኣዝዩ ይትሕትን እቲ ዝቕረብ መአንገዲ ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ኣለዎን። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብሚኒስትሪ ውሽታዊ ጉዳያት ዝተመዘዘ ሽማግለ ከምዝገለጾ እቲ ሓተትቲ ዑቕባ ዝቕመጡሉ መንበሪ “ዘሕፍር” ብምባል ክገልጾ ኸሎ፡ ኣናጹን ባልዕ ዓራትን ከምዝረኣየ ገሊጹ።
ብሪጣንያ ካብተን ዝተጸንዓ ሓሙሽተ ሃገራት በይና እያ ሓተትቲ ዑቕባ ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ መዳጐኒ ክጸንሑ ዝግብኦም ገደብ ዘይትገብረሉን ዝኣሊ መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናት ምስ ወለዶም ክሓብሩ ዑቕባ ኽሓቱ ዘይተፍቅድን።
እቶም ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ቅቡል ዝዀነሎም ሒደት እቲ ክጽበዩ ኸለዉ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሓገዝ ይስእንዎ። ሓገዝ ክወሃቦም ከመልክቱን ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ካብቲ ዝነበርዎ ኽወጹን ኣለዎም። እንተዀነ ብሰንኪ ናይ ቤትጽሕፈታት ምድንጓይ ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት ደገፍ ክወሃቦም ክምዝገቡ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ድማ ብዙሓት ካብቶም ዑቕባ ዝተዋህቡ ብዘይመንበሪ ይድርበዩን ኣብ መመጽወቲ ማእከላት እናኸዱ ክዕንገሉ ይግደዱን።
ሓተትቲ ዑቕባ ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ብዛዕባ ጉዳይ ዑቕባ መልሲ ኽወሃቦም ክጽበዩ ዝጸንሑ እንተዘይኰይኖም ስራሕ ክጅምሩ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ልዕሊ ዓመት ምስተጸበዩ ኸይተረፈውን መንግስቲ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ከምዘለዎ ዝዘርዘሮ ዓውድታት ንምሁራት ሰብ ሞያ ጥራይ ዝሰማማዕ ስራሕ ጥራይ ይፍቀዶም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ