ኢጣልያ ምስግጋር ሰባት ንምቍጽጻር ዝሕግዛ ጃላቡ ንሊብያ ወፍያትላ

ኢጣልያ ክልተ ኻብተን ዓሰርተ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኽወሃባ ዝተመደባ፡ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንምድሓንን ናብ ሊብያ ንምምላሶምን ዝሕግዛ ጃላቡ ንሊብያ ኣረኪባታ። እዚ ክፋል ናይቲ ስደተኛታት ናብ ገማግም ኢጣልያ ኸይበጽሑ ንምክልኻል ዝተሓንጸጸ ሜላ እዩ።

እተን ጃላቡ ብ21 ሚያዝያ ኣብታ 20 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣቐዲሞም ስርሒት ምድሓን ስደተኛታት ዘጠቓልል ስልጠና ዝወሰዱላ ከተማ ጋየታ፡ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል እየን ብወግዒ ናብ ሊብያ ተረኪበን።

ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኽበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ማርኮ ሚኒቲ እተን ዝተረፋ ጃላቡ ኣብ ወርሒ ሰነ ሊብያ ኽትርከበን ምዃና ገሊጹ። ኣብቲ ንሱ ዘስምዖ መደረ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ “ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ሓይሊ” ኣብ ምክልኻል ምስግጋር ደቂሰብ ምዃኑ ገሊጹ።

እንተዀነ ተሓለቕቲ መሰላት ደቂሰብ ስደተኛታት ናብ ሊብያ እንተተመሊሶም ግፍዕታት፡ ጾታዊ ዓመጻትን ምዝመዛ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ዘለዎም ስክፍታ ይገልጹ።

ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኽበ ኣምባሳደር ሊብያ ኣብ ኢጣልያ ኣሕመድ ሰፈር ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ሊብያ ግፍዒ የጋጥም ምዃኑ ተኣሚኑ።

“እወ ዓመጻት ኣጋጢሙ’ዩ፡” ይብል ንሱ። “ኣብ መጻኢ ውን ዓመጻት ከጋጥም ይኽእል ይኸውን። ክንገጥመሉ ኢና።” ምስ ካልኦት ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ብምትሕግጋዝ “ኣብ ጉዳይ ምክትታል፡ ምትሕግጋዝ፡ ምዕባይ ንቕሃት እንታይ ክንገብር ከምንኽእል ክንርእዮ ኢና።”

ኣሰጋገርቲ ሰባት ነቲ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ሃጓፍ ፖለቲካዊ ስልጣን ተጠቒሞም ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ ዘይውሑሳት ጃላቡ እናጸፍጸፉ ናብ ገማግም ኢጣልያ ክሰዱ ጸኒሖም።

ሕብረት ኤውሮጳን ኢጣልያን ኣብ ሊብያ መዕቈቢ ስደተኛታት ዝኸውን መዓስከራት ብምትካል እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ክወሃቦም ብቑዓት ዝዀኑ  ክጻረዩ እዮም ዝደልዩ።

መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ማርኮ ሚኒቲ፡ “ምስ ሰብኣውያን ማሕበራት ብምትሕብባር ምሉእ መሰላት ሰባት ዝኽበረሉ መዕቈቢ መዓስከራት ክህሉ’ዩ፡” ብምባል፡ ስደተኛታት ካብቲ መዓስከራት ናብ ኤውሮጳ ዑቕባ ኽሓቱ ምዃኖም ወሲኹ ገሊጹ ኔሩ።

150 ህጻናት ዝርከብዎም ብውሑዱ 1,073 ስደተኛታት ኣብ 2017 ክሳብ ሕጂ ማእከላይ ባሕሪ ኽሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ ሞይቶም ኣለዉ።