ኣስጋገርቲን ህይወት ኣብ ጉዕዞ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ የእትዉ
ስእሊ፥ ዩሮፖል-ኣስገርቲ ኣብ ልዕሊ ሞተራት መካይን ስደተኛታት ሓቢኦም ይጽዕኑ
ኣኽባሪ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዩሮፖል፡ ዶባት ኤሮጳ ምስጋር ኣሸጋሪ ኻብ ዝኸውን ንደሓር ኣስገርቲ ንስደተኛታት ካብ ዓይኒ ኣኽበርቲ ሕጊ ሓቢኦም ዘሰጋግሩሉ ሓድሽ ሓደገኛ መገዲ ኽጥቀሙ ኸምዝጀመሩ ኣጽኒዑ።
ብመሰረት ዩሮፖል ኣስገርቲ ህይወት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ኣብ ክፋላት ሞተር ከይተረፈ ብዝርከቦ ኣብ ዝተፈላለየ ኽፋላት መካይን ይሓብእዎም ኣለዉ። ኣብ ጥቓ መፈተሺ ዶባት ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ሞተር መኪና፡ ኣብ መንጎ ሞተረን መዕጸውን መዕጸዊኡ ቖብዕን ተዓጽዮም ክጕዓዙ ይግደዱ።
እዚ ኣገባብ ንህይወት ስደተኛታት ኣብ ብርቱዕ ሓደጋ ዘእቱ ኽንሱ፡ ስደተኛታት ካብ ቱርኪ ናብ ኦስትርያ ኽጕዓዙ ክሳብ 7,000 ዩሮ ይኸፍሉ።
ካልእ ኣብ መጕዓዝያ ጽርግያ ንስደተኛታት ዘጋጥሞም ጸገማት ምጽቕቓጥ፡ ዋሕዲ ትንፋስ ከምኡ ድማ ካብ ሕጊ ኸምልጡ ብኣዝዩ ልዑል ናህሪ ዝጕዓዙ መራሕቲ መካይን ከስዕብዎ ዝኽእሉ ሓደጋ እዩ።
ጠቓልሊ ኣካያዲ ፖሊስ ሕብረት ኤውሮጳ ሮብ ወይንራይት፡ “ምስግጋር ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ሓደገኛን ዓብን ስራሕ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ምስቲ ካብ ሰብመዚ ኣኽበርቲ ሕጊ ዝመጽእ እናወሰኸ ዝኸይድ ጸቕጢ፡ ጉጅለታት ገበን ስደተኛታት ብዶባት ንምስግጋር፡ ዝበዝሕ ግዜ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣገባባት ይጥቀሙ ኣለዉ፡” ይብል።
ዩሮፖል፡ ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻቡ፡ ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ መንጎአንን ዝካየድ ምንቅስቓስ ስደት ከመይ ከምዝመስል ኣርእዩ እዩ። እዚ ከም ናይ ምዝንጋዕን ምቾትን ጃላቡ ተጠቒምካ ስደተኛታት ምስግጋር፡ ብጸሊም ባሕሪ ዝነበረ መስመር ምኽፋቱን ምውሳኽ ዋሕዚ ስደተኛታት ብምዕራባዊ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ስጳኛን ይርከብዎ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ