ኣሰጋገርቲ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ስደተኛታት ንምስዳዕ ይጥቀሙሉ
ስእሊ፥ ላቲናሊስታ ። ኣሰጋገርቲ ንማሕበራዊ መራኸቢታት – ስደት ንዝምድቡ ሰባት ንምትላል ይጥቀሙሎም።
ኣሰጋገርቲ ደቅ-ሰብ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ድማ ፈይስ-ቡክ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ዘእምኑ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ኣብ ምንዛሕ ይጥቀምሉ ምህላዎም ወሃቢ-ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM ኣቶ ሊዮናርድ ዶይል ኣተሓሳሲቡ።
ንሱ ወሲዂ፡ ኣሰጋገርቲ ንስደተኛታት እንዳገረፉን እንዳኣፈራርሁን ዘርኢ ተንቀሳቐሲ ስእሊ ብምቕራጽ ብመንገዲ ከም ዋት-ሳብ ዝኣመሰላ ናይ ምብህሃል መሰምራት ናብ ስድራቤት ግዳያት እንዳለኣዂ ተወሳኺ ክፍሊታት ይጠልቡ ከምዘለው ኣዘኻኺሩ።
ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋርን ደቂ-ሰብ ዝጻወቶ ዘሎ ኣሉታዊ ተራ ተገንዚቡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ንኣካየድቲን መራሕትን ዝተፈላለያ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣሰራርሓን ኣጠቓቕማን መርበባቶም ከቐርጡውን፡ ነጋዶ ደቂ-ሰብ ብቐሊሉ ከምዘይጥቀምሎም ክገብሩን ኣትሪሩ ይጽውዕ ኣሎ።
“ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት መሪሕ ተራ ክጻወታን ብዛዕባ’ቶም ብመንገድታተን ናብ ሓደጋ ዝወድቊ ዘለው ስደተኛታት ሓላፍነት ክስመዐንን ኢና ንሓትት ዘሎና፡” ይብል ኣቶ ዶይል ኣብ ከተማ ጀኔቭ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ተኸርዲኖም ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒ ማእከላት እታ ሃገር ተሞቚሖም ንባርነት ይሽየጡን ልዑል መጠን ገንዘብ ከፊሎም ክልቐቚ ይጥለቡን ምህላዎም እዩ ዝንገር።
ብመሰረት ሓበሬታ ወሃቢ ቃል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ምስ ኣካየድቲ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተገብረ ዝርርብ ዛጊት ኣዚዩ ትሑት ውጽኢት ኣመዝጊቡ ከምዘሎ፡ ብኣካየድቲ እተን መራኸቢታት ዝወሃብ ግብረ መልሲ ድማ ካብ “ እቲ ክዕጾ ዝድለ ዘሎ ገጻት ንገሩና ክንዓጽዎ!” ዝብል ዘረባ ዝሓልፍ ከምዘይኮነ’ዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
ኣህጉር ኣፍሪቃ ሰፋሕ ዕድጋ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ኮይና እንዳሃለወት፡ ዝበዝሐ ክፋል ካብ ህዝባ ብስራሕ ኣልቦነትን ትሑት መነባብሮን ተጸልዩ በቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዘንጸፎ ዋሕዚ ሓበሬታ ከም ምረቓ ወሲዶም ንምዝመዛ ዝጽዕቱ ገበነኛታት ግዳይ ይኸውን ምህላው’ዩ ዝሕብር ኣቶ ዶይል።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብማዕከን ዜና ሲ.ኤን.ኤን ዝተዘርገሐ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንባርነት እንዳተሸጡ ዘርእይ ተንቐሳቓሲ ስእሊ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ልዑል ነድሪ ምስዓቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ዝተዘርገሐ ስእሊ ህልው ጸገማት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣመስኪሩ’ዩ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመት ጥራይ ኣስታት 13,000 ኣብ ሊብያ ብምጽጋሞም ነናብ ሃገሮም ብወለንታኦም ክምለሱ ካብ ዝመርጹ ዘለው ስደተኛታት ምጥያሱ ዝግለጽ ኮይኑ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ምልሶቶም ንኡስ ገንዘባዊ ሓገዝ በቲ ውድብ ከምዝግበረሎም ይፍለጥ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ