ኣብ 2017 ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ጥልያን ብ ሓደ ሲሶ ጎዲሉ

ስእሊ፥ ሮይተርስ። ኣብ ናይ ዕንጨይቲ ጃልባ ዝተሳፈሩ ስደተኛታት ብ ትካል ምድሓን ህይወት ጁገን ሪተት ኣብ ማያዊ ገማግም ሊብያ እንዳተረድኡ።
ሓይልታት ሊብያ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ማያዊ ገማግም ሃገሮም ካብ መፋርቕ 2017 ኣሐዪሎም ክሰርሑ ካብ ዝጅምሩ ፡ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ 2017 ማእከላይ ባሕሪ ተሳጊሮም ናብ ጥልያን ዝኣተው ስደተኛታት ካብ ናይ ዓመተ 2016 ብሓደ ሲሶ ዝተሓተ ምንባሩ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ገሊጹ።

“ነቲ ዋሕዚ ከነጉድሎ ዝኸኣልና – ኣብቲ ጉዳይ ምስ ሊብያ ብሓባር ክንሰርሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ቀዲምና ስለዝኣመና ኢና ፡” ይብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማርኮ ሚኒቲ ምስ ጋዜጣ ኮሬራ ዴላ ሴራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ 2017 – ጥልያን ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ሓባራዊ መንግስቲ ልብያ ዓይነታውን ሞያውን ደገፋት ብምቕራብ ሊብያ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ጀላቡ ኣሰጋገርቲን ብቐጥታ ክትዋሳእ ዝድርኽ ክልተኣዊ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ይዝከር።

ድሕሪ’ቲ ስምምዕ፡ መንግስቲ ሊብያን በቲ መንግስቲ ዝድገፉ ሓይልታት እታ ሃገርን – ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ዝብገሳ ጀላቡ ኣብ ምህዳንን ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምቕያድን ርኡይ ስራሕ ይዓሙ ምህላዎም እዩ ዝንገር።

ሓያሎ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾና ኣካላት ግና ነቲ ኣብ ሞንጎ ጥልያንን ሊብያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ – ንኣሽሓት ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ተዓጊቶም ንኩሉዓይነታዊ ዓመጻትን ባርነትን ዝቃልዑ ዘለዉ ስደተኛታት ተወሳኺ ሃስያ ዘስዕብ ምዃኑ እየን ዝወቕሳ።

ኣብ 2016, ህይወት ልዕሊ 5,000 ስደተኛታት ዝወሰደ ማእከላይ ባሕሪ ፡ ንስደተኛታት ካብ ቀዳሞት ቀተልቲ መስመራት ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ እዩ ሰነዳት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ዝሕብር።