ሓድሽ ጸብጻብ ንስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዘጋጥሞም ጸገማት ይዝርዝር

ብላዕለዋይ ኮሚሽነር ንሰደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣወጸ ጸብጻብ ብሊብያ ዝሓልፉ ስደተኛታት ዝያዳ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ይዀኑ ኸምዘለዉ ገሊጹ። ኣብ መገዲ ዘሎ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ድሕነት ኩነታት ንብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ የእትዎም ኣሎ፡

እቲ መጽናዕቲ ዝበዝሑ ሊብያ ዝበጽሑ ስደተኛታት ንኣስገርቲ ክሳብ 5,000 ዶላር ዝበጽሕ ዋጋ ከምዝኸፍሉ የረድእ። ኣስገርቲ ኣዝዮም ከምዝሓየሉን፡ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብቲ መስርሕ ወሳኒ ተራ ኸምዝጻወቱንውን የርኢ።

ዝበዝሑ ተሰደድቲ ንኣሽቱ ደቂተባዕትዮ ክዀኑ ኸለዉ፡ ንጾታዊ ምዝመዛ ዝግበር ምስግጋርውን ዝውስኽ ዘሎ ይመስል። እዚ ብፍላይ ንካሜሩናውያንን ናይጄርያውያንን ደቅነስትዮ ዝያዳ ይጸልወን። ቁጽሪ ናይቶም መሰነይታ ዘይብሎምን ካብ መሰነይትኦም ዝተፈልዩን ህጻናትውን ይውስኽ ኣሎ።

እቲ መጽናዕቲ ፍርቂ ናይቶም ናብ ሊብያ ዝጕዓዙ ኣብታ ሃገር ስራሕ ክረኽቡ ኢሎም ከምዝብገሱን ኣብ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኹነታት ከምዝወድቁ፡ ምዝመዛን ዓመጽን ከምዘጋጥሞምን የረድእ።

እቲ ጸብጻብ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ውድባት ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብተን ኣብ ደቡብ ሊብያ ዝርከባ ቐንዲ ኸተማታት በኒ ወሊድ፡ ረብያና፡ ታዜርቡን ኩፍራን ረድኤት ክቕርባ ተማሕጺኑ።

ካልእ ዝቐረበ ምሕጽንታ ሓለዋ ዶባት ክጥንክርን ምድሓን ህይወት ናይቶም ኣብ ምድረበዳ ዝድርበዩ ስድተኛታት ክውስኽን እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ምስ ኣማኢት ስደተኛታት፡ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ናይ ረድኤት ትካላትን ኣስገርቲ ስደተኛታትን ኣብ ጫድ፡ ኒጀር፡ ኣልጄርያ፡ ቱኒዝያ፡ ሊብያን ኢጣልያን ኣብ ዝተኻየደ መሕትታት ዝተመርኰሰ እዩ።