ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንጃላቡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ስደተኛታት ካብ ምድሓን ይኽልክልወን
ክልተ ዘይመንግስታውያን ትካላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንመራኽበን ህይወት ሰብ ከድሕና ናብ ጃላቡ ኸይቀርባ ኸምዝኸልከለን ሓቢረን።
ብ6 ግንቦት፡ ብዘይመንግስታውያን ትካላት ኤስ ኦ ኤስ ሜዲተራንዬን ሓካይም ብዘይዶብን እትካየድ መርከብ ኣኳርዩስ፡ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ናብ ወገን ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ብዛዕባ ዝነበረት ጃልባ ኸምዝሓበርዋ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ሰኣላይ ኣዣንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።
እቶም ኢጣልያውያን ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ውን ሓቢሮም ስለዝነበሩ፡ እቶም ሊብያውያን ምስመጹ፡ ናብ ሊብያ ኸይምለሱ ዝፈርሑ ስደተኛታት ናብ ባሕሪ ኽነጥሩ ምስጀመሩ፡ እቶም ሊብያውያን ንመርከብ ኣኳርዩስ ናብታ ኣብ ሓደጋ ዝነበረት ጃልባ ኸይትቐርብን ክትርሕቕን ኣዚዞማ።
“ኣብ ማይ ኣትዮም ዝነበሩ ሰባት ይበዝሑ ኽነሶም ክንሕግዝ ዘቕረብናዮ ሕቶ ብተደጋጋሚ ተነጺጉ። እኳ ደኣ ኻብቲ ቦታ ኽንርሕቕ ተኣዚዝና፡” ይብል ኣፈኛ ናይታ ማሕበር።
ሲ ዎች ዝተባህለ ኻልእ ማሕበር፡ ብ5 ግንቦት 37 ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ 24 ኪሎሜተር ካብ ገማግም ሊብያ ርሒቓ ኣብ ሓደጋ ኸምዝነበረት ይገልጽ። ኣባላት መርከብ ናይታ ማሕበር ካብቲ ቦታ ኽርሕቁ ኽእዘዙ ኸለዉ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኽልተ ጃላቡ ጐማ ኸምዝወሰዱ እቲ ማሕበር ይገልጽ።
“ህይወት ከነድሕን ክፍቀደና ኢና መሰል ንሓትት ዘለና፡” ይብል እቲ ማሕበር።
እቶም ሊብያውያን፡ ብስጳኛዊት ማሕበር ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስ ንእትካየድ ጃልባ ኣስትራል ውን ቀሪቦማ እዮም።
ኣብታ ጃልባ ዝነበረ ሪካርዶ ማጂ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ኣባል ፓርላማ ነቶም ሊብያውያን ዘይረዳድኡ ብምዃኖም ይኹንኖም።
ብመሰረት ቃል ማጂ፡ ኣብ ሮማ ዝርከብ ማእከል ምውህሃድ ምድሓን ህይወት ኣብ ባሕሪ ብ6 ግንቦት ሰዓት 5 ወጋሕታ ናብ ኩለን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ መራኽብ ነታ እትጥሕል ዝነበረት ጃልባ ኽረድኣኣ መልእኽቲ ህይወት ኣድሕን ኣተሓላሊፉ። ጸኒሑ ግና እቲ ማእከል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቲ ስርሒት ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ።
ማጂ፡ “ሓንቲ ናይ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ጃልባ ናብ ኣስትራል ቀሪባ ነቶም ኣባላት ስደተኛታት ተጻዒኖም እንተለዉ ሓቲታቶም፥ ከምዘየለዉ ምስሓበርዎም፡ እቶም ሊብያውያን ንእባላት ኣስትራል፡ ‘እዚ ንዓና ዝምልከት ስራሕ’ዩ’ ብምባል ክርሕቁ ኣዚዞሞም፥” ይብል።
“እቶም ሊብያውያን ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ከም ሸፋቱ ባሕሪ እዮም ዝኸዱ፡ ስልጣኖም ክፍለጠሎም ይጠልቡ። ሕጊ የፍርሱ ኣለዉ፡ ነቲ ዝገብርዎ ድማ መንግስቲ ኢጣልያ ብዝቐረበሎም ጃላቡ እዮም ዝገብርዎ፡” ይብል ኣብ ትዊተር።
ማጂ ብተወሳኺ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብተደጋጋሚ ደዊሎም መልሲ ኸዘይረኸቡ ይጠቅስ። “ኣብ መወዳእታ እዮም እቶም ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እቲ ስርሒት ከመይ ከምዝኸደ ኽገልጹልና ደዊሎምልና፥” ይብል።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሰለስተ ልዕሊ 300 ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ፊት ወገን ምዕራባዊ ገማግም እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ከምዝዓገቱን፡ ሓደ ምዉትን ሰለስተ ጥፉኣትን ከምዝነበሩን ጸኒሖም ገሊጾም።
ኣፈኛ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ጀነራል ኣዩብ ቓስም፡ ጃላቡ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ናብ ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ጃላቡ ምቕራብ እንተቐጺለንኦ ኣብ ዝምድንኦም ዝነበረ ወጥሪ ኽተርር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ቕድሚ ሕጂ ንማሕበራት ምድሓን ህይወት፡ እቶም ስደተኛታት ምስረኣይወን ከድሕንኦም እሞ ናብ ሊብያ ናብ መዳጐኒ ማእከላት ካብ ምምላስ ከምልጡ ናብ ባሕሪ ስለዝነጥሩ ኣብ ቦታ ሓደጋ ብምርካበን ነቲ መስርሕ ምድሓን ህይወት ስምባደን ዕግርግርን እናፈጠራ ኣብ ሓደጋ ኸምዘእትውኦ ክኸሰን ጸኒሑ እዩ።
ቓስም ብሓምለ 2017 ህይወት ዘድሕና ማሕበራት ልኡላውነት ሊብያ ኸምዝጥሕሳን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተበጽሐ ንሊብያ ዘኽስብ ብዛዕባ ምዕጋት ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተበጽሐ ስምምዓት ከይትግበር ከምዝዕንቅፋን ገሊጹ ኔሩ።
ስእሊ፡ ኣንቶኒ ጂን/ ኤስ ኦ ኤስ ሜዲተራንዬ። ህይወት እተድሕን መርከብ ኣኳርዩስ፡ ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኻብቲ ቦታ ኽትእለ ምስተኣዘዘት፡ ኣባላታ ብማዕዶ ሰባት ናብ ማይ እንዘለሉ ኸለዉ ይዕዘቡ።
TMP – 30/05/2018
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ