ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ባሕሪ ዘጋጥ ሞት ስደተኛታት ንምቕናስ ተወሰኽቲ ኣማኢት ወተሃደራት ሓለዋ ባሕሪ ከሰልጥን እዩ
ብመሰረት ጸብጻባት ሮይተርስ፡ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክሳዕ መወዳእታት 2018 ክሳብ 500 ዝዀኑ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኸሰልጥን ይምድብ ኣሎ።
እቲ ስርሒት ሶፍያ ዝተባህለ ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋትን ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት ስደተኛታት ንምቕናስን ንሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝቕርቦ ስልጠናታት ብቕልጡፍ ከዕብዮ ይደሊ ኣሎ።
ብ15 መጋቢት ኣብ ቱኒዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣዛዚ ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝዀነ ኣድሚራል-ደጀን ኤንሪኮ ክረደንዲኖ፡ እቲ ንሱ ዝእዝዞ ሓይሊ ካብ 2016 ንነጀው 188 ሊብያውያን ከምዘሰልጠነን፡ እዚ ድማ ኣብ ካልኣይ መንፈቕ ዝሓለፈ ዓመት ንቑጽሪ ናይቶም ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብርኡይ ከምዘጕደሎ ገሊጹ።
“ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ብፍላይ ኣብ ካልኣይ መንፈቕ 2017 ኣዝዩ ንጡፍ ኰይኑ፥” ድማ ይብል።
ወሲኹ ኣብ 2017 ሊብያውያን 18,000 ዝበጽሕ ህይወት ከምዘድሓኑ ብምግላጽ፡ ምስቶም ኣብ 2015 ዘድሓንዎም 800 ጥራይ ዝበጽሑ ኣወዳዲርዎም። እንተዀነ ግና ኤውሮጳውያን ማሕበራት ምድሓን ህይወት፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ እዋን ምድሓን ህይወት ሓደገኛ ኣተሓሕዛ ኸምዝኽተልን ህይወት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ኸምዘውድቕን ምኽሳስ ኣየቋረጻን ዘለዋ። እንተዀነ እቲ ሓለዋ ባሕሪ ንብምሉኡ ነቲ ኽስታት ብተደጋጋሚ ይኽሕዶ።
ክረደንዲኖ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ብሽማግለ ኽኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ኣብ መንጎ ኣስገርትን ሓይሊ ባሕርን ርክብ ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ኽሲ ምርግጋጹ ኣጸጋሚ ኸምዝዀነ ገሊጹ።
“ኣብ ባሕሪ እዞም ወተሃደራዊ ሓለዋ ባሕሪ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ናቶም መለለዪ ዝተኸድኑ ተመሳሰልቲ ጃላቡ ዝጥቀሙ ሚሊሻ ኣለዉ፡” ኢሉ።
ወሲኹ “ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንከታተሎም ኢና። ነፈርቲ ኣለዋና፡ መራኽብ ኣለዋና ዝዕዘብኦም። ብተወሳኺ ኸኣ በብእዋኑ ርክባት ኣለና፥” ይብል።
ልዕሊ 130 ጥርጡራት ኣስገርቲ ኣብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሰብ መዚ ኢጣልያ ተረኪቦም እኳ እንተዀኑ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሊብያ ካብ ኣህጉራዊ ማያት ርሒቖም ዝርከቡ ብዘይስኽፍታ ዝሰርሑ መርበባት ኣስገርቲ ምፍራስ ቀሊል ኰይኑ ኣይተረኽበን።
“ምስ ብዙሓት ከም ኢንተርፖል፡ ዩሮፖል፡ ፍሮንቴክስ፡ ዝኣመሰሉ መሻርኽቲ ንሰርሕ ኣለና። ሓደ ስእሊ ንረክብ እኳ እንተለና፡ ትኽክለኛ ገምጋም ንምውሳድ ግና ገና ግዜኡ ኣይኣኸለን፡” ይብል ክረደንዲኖ።
ስርሒት ሶፍያ፡ ንምስግጋር ሰባት ንምዕጋት ኣብ ኣብ 2015 ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተበገሰ ዀይኑ፡ ካብ 2016 ኣትሒዙ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኸሰልጥንን ከዕጥቕን ጸኒሑ። ኣብ ሓምለ 2017፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ስርሒት ክሳብ መወዳእታ 2018 ክቕጽል ኣሐዲስዎ።
ብመሰረት ጸብጻባት ሮይተርስ፡ ስርሒት ሶፍያ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ብሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዝዓነዋ ጃላቡ፡ 500 ጃላቡ ኣስገርቲ ሒዙ ኣዕንዩ ኣሎ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ