ስደተኛታት ኣብ ናይ ምድረበዳ መዳጐኒታት ሊብያ ብኣስገርቲ ይሳቐዩ

20 ጥሪ፥ 2016

ሓደ ብመስከረም ኣብ ኢጣልያ ዝተታሕዘ ኣስጋሪ ብዝምልከት ዝተዋህበ ቃል መሰኻኽር፡ ብዛዕባ ንስደተኛታት ኣብ ኢድ

ኣስገርቲ ናይ ምድረበዳ ሳሃራ መዳጐኒታት ተታሒዞም ከለዉ ዘጋጥሞም ብርቱዕ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ሰፊሕ መብርሂ

ይኸውን ኣሎ።

እቲ ኣስጋሪ ዝነበረ ዑስማን መታሙድ ዝተባህለ ወዲ 22 ዓመት፡ ንግዳያቱ በኒ ወሊድ ኣብ ዝተባህለ 160 ኪሎሜተር

ንደቡብ ምብራቕ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ርሒቑ ዝርከብ ብሕታዊ መዓስከር ዳጒኑ የጋፍዖም ኔሩ። ኣብ 2016 ከም

ስደተኛ ተመሲሉ ናብ ኢጣልያ ምስኣተወ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ዝሓለፈ መስከረም 26፡ ሓንቲ ኻብ ግዳያቱ ዝነበረት

ሶማላዊት ቆልዓ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ሚላኖ ናይ ኢጣልያ ዝርከብ ማእከል ስደተኛታት ኣብ መንጎ ኻልኦት ሶማላውያን

ተሓዊሱ ምስረኣየቶ ኣለልያቶ።

እቶም ካልኦት ሶማልያውያን ስደተኛታት ንሱ መን ምዃኑ ምስፈለጡ፡ ከም ዝመሰሎም ቀጥቂጦም ክቐትልዎ

ስለዝቐረቡ ፖሊስ ካብ ሞት ኣድሒኖሞ። እቲ ኣስጋሪ ዝነበረ ሶማልያዊ፡ ስደራቤት ስደተኛታት ገንዘብ ክኸፍሉ ጸቕጢ

ንምግባር ደቀንስትዮ ዝዕምጽን ደቂተባዕትዮ ብብርቱዕ ስቓይ ዘጋፍዕን ዝነበረ እዩ። እቶም ስደተኛታት ብውሑዱ

7,000 ዶላር እንተዘይተኸፊሉሎም ክሕረዱ ምዃኖም ይነግሮም ኔሩ።

ሓደ 41 ገጻት ዝሓዘ ነቲ ምስክርነታት ዝምዝግብ ካብ ቃል መሰካኽር ዝተኣከበ ሰነድ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲኡ

ዘሕለፍዎ ብርቱዕ ግፍዒ ከመይ ከምዝነበረ ብዝርዝር የርኢ። ኣኽበርቲ ሕጊ ኢጣልያ ነቲ ሶማልያዊ ኣስጋሪ ምስ

ዘብዐኛታት መዳጐኒ መዓስከራት ናዚ ጀርመን ኣወዳዲሮሞ። ነቲ ጉዳይ ፍርዲ እተካይድ ኣብ ሚላኖ እትርከብ ዳኛ፡ ትሕዝቶ

ኣብቲ ሰነድ ዝተኣከበ ምስክርነታት ኣዝዩ ኣሰቃቒ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ናብ ህዝቢ ከይዝርጋሕ ኣጊዳቶ ኣላ።

ዋና ኣኽባሪት ሕጊ ኢልዳ ቦካሲኒ እቲ ዝተኣከበ ቃል ምስክርነት ኣስካሕኪሕዋ’ዩ፡ “ኣርብዓ ዓመት ኣብዚ ሞያ ሰሪሐ

ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሰቃቒ ነገር ኣጋጥሙኒ ኣይፈልጥን’ዩ። እሞ ኸኣ ኣብ በኒ ወለድ ዘጋጥም ዘሎ ግፍዒ ኣብ ኩሉ

መጸበዪ መዓስከራት ዘጋጥም ዘሎ’ዩ፡” ትብል።

ሓንቲ ን5 ወርሒ ኣብ መዳጐኒኡ ዝተጸበየት ጓለንስተይቲ፡ “‘ኣንቲ ጓል፡ ክዳውንትኺ ቐንጥጥዮ፡ ዝበልኩኺ

ተኣዘዚ፥’ ምስበለኒ፡ ክልተ ካብቶም ዝለኣኽዎ ሰብኡት ቀሪቦም ክልተ ኣእዳወይ ብገመድ ምስ ሓጺን ናይቲ መስኮት

ኣሲሮሞ። ክዕምጸኒ ኸሎ፡ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ኣብኡ ተዓጽየ ኔረ” ትብል።

ጓል 17 ዓመት፡ ግዳይ በደላቱ ዝዀነትን፡ ኣብ ሚላኖ ፈለማ ዘለለየቶን ሶማላዊት ቆልዓ፡ “ስድራይ ነቲ ገንዘብ ክኸፍልዎ

ይጋደሉ እዮም ኔሮም፡ ሓደ ምሸት ናባይ ቀሪቡ፡ ‘ኣይትሸገሪ፡ ሎሚ ምሸት ባዕለይ ኣለኹልኪ፥’ ምስበለኒ ካብቲ ለይቲ

እቲኣ ስቓየይ ኣየዕረፈን፥” ትብል። ካልእ ትሕቲ ዕድመ ከምዚ ትብል፥ “ቀዳመይቲ ምሸት ናብቲ መኻዚኖ ኣትዩ ኣብ

ቅድሚ ኹሉ ሰብ ንኽዳውንተይ ብሓይሊ ቐንጢጡ ኣልይዎ። ድሕሪኡ ተራኺቡኒ። ሃለዋተይ ኣጥፊአ ጸኒሐ

ምስተበራበርኩ ደመይ ኣብ ኩሉ ዛሕ ኢሉ ኔሩ። ከምዝተዓመጽኩ ተረዲኡኒ። ብዙሕ ግዜ ዓሚጹኒ፡ ምሸት-ምሸት

ይመጽኣኒ ኔሩ።”

ነቶም ካብ ሱዳን፡ ኤርትራን ሶማልያ ዝተበገሱ ግዳያቱ ከጋፍዖም ከሎ፡ “ሶማላዊ ኣይኰንኩን፡ ሙስሊም ኣይኰንኩን፦

ዋናኹም’የ፡” ኣናበለ እዩ ዝጭድር ኔሩ።

ዑስማን ዓብዱልዓኒ ዝተባህለ ካልእ ግዳይ፡ እቲ መዳጐኒ ኣዝዩ ጸቢብን ረሳሕን ከምዝነበረ ይገልጽ፡ “ኣብ ሓደ ዓቢ

ኽፍሊ ተወቲፍና ኢና ንድቅስ ኔርና። ኣማኢት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን እዮም ኔሮም። ኣብ ባይታ ኣብ ተጻፋጺፍና ኢና

ንድቅስ ኔርና። ሓደስቲ ኽመጹ ኸለዉ ኣብ ልዕሌና’ዮም ዝጫፋለቑ ኔሮም። ሓንቲ ቤትሽንቲ ንደቂተባዕትዮ ሓንቲ ኸኣ

ንደቀንስትዮ ጥራይ እዩ ኔሩ፥” ይብል።

ዓሊ ኑር ዑመር ኣብቲ መዓስከር ሓሙሽተ ወርሒ ተዳጒኑ። “እንተወሓደ ኣእዳውን ኣእጋርን ሓሙሽተ ሰብኡት ብትቦ

ሓጺን ተሳሒቡ ክመልቝ ከሎ ብገዛእ ዓይነይ ርእየ እየ፥” ይብል። ንኻልኦት ብገመድ ተእሲሮም ቁልቁል ኣፎም

ምስተደፍኡ፡ ዳጓኒኦም ከብዲ እግሮም ይቕጥቅጦም ኔሩ። ገና ኻልኦትውን፡ ከም መቕጻዕቲ መግቢ ተኸልኪሎም

ብጥሜት ይሳቐዩ ኸምዝነበሩ ይገልጹ። መትሓዚ ፈሳሲ ዝጠቅም ፕላስቲክ ኣብ ዝባኖም ኣቐሚጡ የቃጽሎ’ሞ እቲ

ዝመኸኸ ፕላስቲክ ንቘርበቶም ይምሽልጦ ኸምዝነበረ ይገልጹ። ዓብዱልዓኒ፡ “ከሳቕየኒ ኸሎ ካብ ግዜ ናብ ግዜ

እናፈተዎ ይኸይድ ኔሩ። ኣብ ተሌፎን ዕላል ሒዙ እናሰሓቐ ይገርፈና ኔሩ። ከሳቕየና ኸሎ ብርቱዕ ደስታ ይፈጥረሉ ኔሩ፥”

ይብል።

ማታሙድ፡ ኣርባዕተ ሰባት ብምቕታል፡ ሓያሎ ደቀንስትዮ ብምዕማጽ፡ ሰባት ብምጭዋይን ብዝርከብዎም ገበናት

ተኸሲሱ ኣሎ።