ስደተኛታት ደቀንስትዮን ህጻናትን ኣብ ሊብያ ጾታዊ ዓመጽ የጋጥመን

TMP – 16/03/2017

ኣብቲ ብሊብያ ናብ ጥልያን ዘምርሕ መስመር ስደት፡ ስደተኛታት ህጻናትን ደቀንስትዮን ኣብ ሊብያ ጾታዊ ጉነጽ፡ ምዝመዛ፡ በደልን ማእሰርትን ከምዘጋጥሞም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ዩኒሴፍ ኣጠንቂቑ።

ሰለሰተ ርብዒ ካብቶም ስደተኛታት ህጻናት ኣብ ጉዕዞኦም ካብ እኹል ዕድመ ዘለዎም ሰባት ዝተብገሰ ጐነጽ፡ ኣካላዊ ምፍርራሕን ማህሰይትን ከምዝወረዶም ይገልጹ። ፍርቂ ናይ ኩሎም እቶም ዝተሓተታ ህጻናትን ደቀንስትዮን ኣብቲ ጉዕዞ ጾታዊ በደል ከምዝወረደን ይገልጻ። ብዙሓት ካብኣተን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብተደጋጋሚ ግዜ ዝተዓመጻ እየን።

እቲ A Deadly Journey for Children: The Central Mediterranean Migrant Route ዘርእስቱ ጸብጻብ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ብሳሃራ ኣቢልካ ብሊብያ ናብ ማእከላይ ባሕርን ጥልያንን ዝቕጽል ጉዕዞ ዘጋጥሙ ብርቱዓት ጸገማትን ዝወርድዎም ሓደጋታትን ዓሚቝ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።

ካብ 4,000 ክሳብ 7,000 ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ መዳጐኒታት ሊብያ ተኣሲሮም ኣለዉ። ዩኒሴፍ ካብተን ኣባላቱ ክበጽሕወን ዝተፈቕደሎም ሒደት ብመንግስቲ ዝካየዳ መዳጐኒታት ብዙሓት፡ ዓሰርተታት ሰባት ካብ ክልተ ትርብዒት ሜትሮ ኣብ ዘይዓቢ ቸላታት ንዝተናውሐ ግዜ ኸምዝዳጐኑ ሓቢሩ። ኣብ ብዙሓት መዳጐኒታት ደቀንስትዮን ህጻናትን ዋሕዲ መግቢ ኸምዘለዎም ገሊጾም።

ዞባዊ ኣካያዲ ዩኒሴፍ ኣፍሻን ክሃን “ ንደንቀንስትዮን ህጻናትን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮፓ ዝኸይድ መስመር ስደተናታት ካብቶም ዝበዝሐ ሞት ዘጋጥመሎም መስመራት እዩ፡” ይብል።

እዚ መስመር ብኣስገርትን ተሻየጥቲ ሰባትን ከምኡውን ካልኦት ካብዞም ዝሓሸ ህይወት ከናድዩ ጥራይ ዝዕላምኦም ጽጉማት ህጻናትን ደቀንስትዮን መኽሰብ ክረኽቡ ዝደልዩ ወገናትን እዮም ዝቈጻጸርዎ። ውሑስን ሕጋውን ዝከላኸለሎምን ነቶም ጕሓላሉ ዝኣልን ኣገባባት የድልየና።”

ኣብ መወዳእታ 2016 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ሓደ ሲሶ ናይቶም ብሊብያ ዝሓልፉ ህጻናት ዘሰኒ ዘይብሎም ብምዃኖም ዝያዳ ንዓመጽን ሓደጋን ዝተቓልዑ ምዃኖም የረድእ።

ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ክሰግሩ ኽብሉ ልዕሊ 4,579 ሰባት ሞይቶም። እንተወሓዱ 700 ኻብቶም ዝሞቱ ህጻናት እዮም።

ኤውሮጳ ኽኣትዉ ዝኸኣሉ ደቀንስትዮን ህጻናትን ኣብ ዘይሕጋዊ መዕቈቢታት ኤውሮጳ ተወሳኺ ጐነጽን ዓመጽን የጋጥሞም። ኣብ ሰሜን ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ከተማ ዳንከርክ ኣብ ዝርከብ ዘይሕጋዊ መዕቈቢ ብወለንታ ስደተኛታት ዝሕግዙ ኣባላት ትካላት ረድኤት ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ጾታዊ ጐነጽን ምዕማጽን ልሙዳት ምዃኖም ይገልጹ።