ናይ ዳዒሽ ኣባላት ኣብ ሊብያ ብዕጽፊ ወሲኾም ኣለዉ፥ ኣፈኛ ፐንታጎን
ናይ ዳዒሽ ወይ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣይሲስ ኣባላት ፥ ኣብ ሶርያን ዒራቕን እንክንኪ፥ ኣብ ሊብያ ግን ምስ ናይ ዓሚ ቁጽሩ ብምንጽጻር ብኣስታት 90 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ኣፈኛ ፐንታጎን ጀነራል ፒተር ግሬስተን ሓቢሩ።

USAF Maj. Gen. Peter Gresten
እቲ ኣፈኛ ከም ዝሓበሮ፥ እቲ ጉጅለ ንህሉው ኩነታትን ዘይምርግጋእ ሊብያ መዝሚዙ፥ ብዙሓት ገዳይም ኣባላቱ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራቱ ኣሰጋጊርዎም ኣሎ ኢሉ።
ካብ ዝነበረና ግምት ኣባላት ዳዒሽ ኣብ ሶርያ ኣዝዮም
ነክዮም ኣለዉ፣ ይኹን እምበር ዳዒሽ ነቶም ተሞክሮ ናይ ኩናት ዘለዎም ገዳይም ኣባላቱ፥ ሓዲስ ግምባር ንምኽፋት ናብ ሊብያ ዳርጋ መብዛሕቶም ከም ዘሰጋገሮም ሓበረታ ኣሎ ኢሉ።
እዚ ዝያዳ ቁጽሪ እዚ ዑጡቃት ኣብ ሊብያ፥ ንኩነታት ሊብያ ከብእስን ፥ ንመብዛሕቶም ስደተኛታትን ንሊብያ ከም ብናብ ኤሮጳ መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ሳገምትን ሂወቶም ከየስእኖም ፍርሒ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ፤ ዳዒሽ ከም ዝፍለጥ፥ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ኢሉ ሂወት ብዙሓት ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጹ ስደተኛታት ፥ ብ ኣዝዩ ባርባራዊ ዝኾነ መንገዲ፥ እንዳሰኣለ ብኻራ ሓሪዱ ከም ዝቐተሎም ይፍለጥ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ