ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ብርቱዕ ኣካላዊ ስቓይ ይወርዶም

TMP 30 ሰነ 2016:- ኣብ ሊብያ ዘለዉ ስደተኛታት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር መንግስቲ ዘይምህላዉ ኩሉ እዋን ብዛዕባ ድሕነቶም ኣብ ስግኣት ከምዝነብሩ ይገልጹ።

ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ ኣብታ ብዂናት እትዓኑ ዘላ ዳዒሽ ዝርከቦም ደርዘናት ዕጡቓት ጉጅለታትን  ሰለስተ መንስግስቲ ኢና ዝብሉ ጉጅለታትን ዝመናጠሉላ ሊብያ፡ ስደተኛታትን ባሕሪ ኽሰግሩ ዝጽበዩን ክነብሩላ ዘይክእሉ ኣዝያ ሓደገኛ ሃገር ኰይና ኸምዘላ ይገልጹ። ምስ ፖሊስ ብጕርብትና ገንዘብ ዝሰርሑ ጉጅለታት ብተደጋጋሚ ሰባት ይጨውዩ። ደቀንስትዮ ናይ ጾታዊ ምዝመዛ ባራዩ ክዀና፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ከም ናይ ህንጻ ስራሕ ባራዩ ክዀኑ ይሽየጡ።

ብዙሓት ካብዞም ካብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ባራዩ ክዀኑ ይጭወዩ ወይ ውን ብዕጡቕ ጉጅለ ዳዒሽ ተወሲዶም ክዓጥቁ ይግደዱ። ኣብቲ ባሕሪ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብ ጃላቡ ኽጽዓኑ ዝጽበዩሉ መኽዘናት፡ ጾታዊ ዓመጽ ዘጠቓልል ብዙሕ ኣካላዊ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከምዝወርድ ብዙሕ ጸብጻባት ይስማዕ። ዝተጨውዩ ስደተኛታት ንቤተሰቦም ብቕልጡፍ ገንዘብ ንኽሰዱ ምእንቲ ኸእምንዎም’ውን ብዙሕ ኣካላዊ ግፍዒ ይወርዶም።

ኣብዚ ዓመት ድሮ 2,800 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሞይቶም

ካብቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ሓደገኛ ኹነታት ዘምለጡ ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ካብ ምእታው’ዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ናብ ኢጣልያ ኣምሪሖም ኣለዉ። እዚ ኣብ ፍርቂ ዓመት ተበጺሑ ዘሎ ቑጽሪ ማዕረ ናይቲ ኣብ ምሉእ 2015 ዝተመዝገበ’ዩ። እንተዀነ ግን ብዙሓት ካብቶም ካብ ሊብያ ዘምለጡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም። ብመሰረት ጸብጻብ ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ ልዕሊ 2,800 ሰባት ነዚ ባሕሪ ኽሰግሩ ሞይቶም። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 12 ኣዋርሕ 3,771 ሰባት ክሞቱ ኸለዉ፡ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ናይታ ዓመት 1,838 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም። ምስ ተመሳሳሊ ፍርቂ ዓመት ክርእአ ኸሎ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ እቲ ቑጽሪ ብሞት 1,000 ሰባት ዛይዱ ኣሎ።

ነዚ መመሊሱ ዝውስኽ ዘሎ ሞት ስደተኛታት መግትኢ ንምግባር፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ኣብ መንጎ ሊብያን ኢጣልያን ዘሎ መስመር ክዓጽዎ ይደሊ ኣሎ። ስደተኛታት ናብታ ዝተበገሱላ ሊብያ ኽምለሱ ኸምዝሓይሽ ዝገልጹ ገለ ኤውሮጳውያን ፖለቲከኛታት’ውን ኣለዉ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምስዚ ጉዳይ ኣተኣሳሲሩ፡ እቲ ብወገን ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝብገስ ምስ ሊብያ ብጥብቂ ናይ ምስራሕ መደብ ነቲ ኣካላዊ ግፍዒን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ዝመለለዪኡ ኹነታት ዝተኣስሩ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣዝዩ ኸጋድዶ ምዃኑ ይሕብር።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ኽሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት በብዝተበገሱሉ ሃገር እንተተቘጺሮም፡ ኤርትራውያን ኣብ ቅድሚት ክስርዑ ኸለዉ፡ ስዒቦም ድማ ሱዳናውያን፡ ሶማላውያን፡ ናይጀርያውያንን ጋምብያውያንን ይጥቀሱ። ካብቶም ልዕሊ 2,800 ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት፡ እቶም 2,119 ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኢጣልያ ኽሰግሩ ዝፈተኑ’ዮም። በዚ ቑጽሪ መሰረት፡ ከም ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ካብ ነፍሲ ወከፍ 23 ሰባት ግድን ሓደ ይሞቶም ኣሎ ማለት’ዩ።

10,000 ምዉታት ካብ 2014 ክሳብ ሎሚ

ብመሰረት ወኪል ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ፡ ካብ 2014 ክሳብ ፈለማ ወርሒ ሰነ ልዕሊ 10,000 ናብ ኤውሮጳ ኽሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም ኣለዉ።