ሊብያ፥ ስደተኛታት ንጊላነት ይሽየጡ
ስእሊ፡ ሲ.ኤን.ኤን።
ማዕከን ዜና ሲ.ኤን.ኤን ዘዳለዎ ስእላዊ ሰንደ ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ቃልዕ ከባቢታት ከም ገላዩ ይሽየጡ ምህላዎም ኣመስኪሩ።
እቲ ቅድሚ ውሑዳት ኣዋርሕ ብ ሲ.ኤን.ኤን ዝተፈነወ ሰነድ፡ ሓያሎ ስደተኛታት ገለ ካብኣቶም ፍርዙናት ኣወዳት ብ ሕርሻዊ ስራሓት ዝብል ናይ ጉጅለ ስም ዝተዋህቦም፡ ብግህዶ እንዳተሸጡ እዩ ዘርእይ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ’ዚ ዓመት ነቲ ዝተዘርገሐ ስእላዊ ሰነድ ንምርግጋጽ ኣባላት ማዕከን ዜና ሲ.ኤን.ኤን ካሜራታት ሓቢኦም ናብ ሊብያ ከምዝበጽሑን፡ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዘዕረፉሉ ኣባይቲ ኮይኖም ድማ ነቲ ዓሰረተታት ስደተኛታት ኣብ ውሑዳት ደቓይቕ ከም ጊላታት ዝሽየጡሉ ዕዳጋታት ከምዝቐረጹን ይንገር።
“ ኳዓታይ ዝደሊ ኣሎ’ዶ!፧ እዚ ፍርዙንን ሓያልን ሰብኣይ ንፉዕ ኳዓታይ እዩ፡ እንዳበለ ብመግሉሒ ድምጺ ዝዛረብ ዝነበረ ሸያጢ ጊላታት ኣብ’ቲ ዝተፈነወ ስእላዊ ሰነድ ይረአ። ዓደግቲ ኢዶም እንዳወጣወጡ ክጫረቱን ዝተዓወቱሉ ጊላ ስደተኛ ድማ ናብ ግዝኣቶም ክኣቱን ዘሎ ግዜ ኣዚዩ ሓጺር እዩ።
ጋዜጠኛታት ሲ.ኤን.ኤን ንክልተ ካብቶም ብጨረታ ዝተገዝኡ ስደተኛታት ከዘራርቡ’ኳ እንተፈተኑ ፡ እቶም ግዳያት ኣብ ከቢድ ስንባደ ብምንባሮም ክዛረቡ ኣይከኣሉን።
ዓመታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዝርካቦም ንብረት ሸይጦምን ልዑል መጠን ገንዘብ ንኣሰጋገርቲ ከፊሎምን ብሊብያ ገይሮም ናብ ገማግም ዓዲ-ጥልያን ክበጽሑ ከምዝሕልኑ ይፍለጥ።
ካብ ቀረባ እዋን ክሕይል ዝጀመረ ስርሒታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ግና ንዋሕዚ ስደተኛታት ብመንገዲ ማኣከላይ ባሕሪ ልዕሊ ካልእ እዋን ገቲእዎ ምህላው፥ እዚ ድማ ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ኣስጋገርቲ ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ኣብ ኢዶም ክተርፉ ገይሩ ስለዘሎ – ኣሰጋገርቲ ብኻልእ መንገዲ ካብቶም ስደተኛታት ኣታዊታት ንምኽዕባት ይጽዕቱ ከምዘለው እዩ ዝሕበር። ስለዝኾነ ስደተኛታት ከም ገላዩ እንዳሸጥካ ኣብ ሓጺር እዋን ልዑል ኣታዊ ምውህላል እቶም ኣሰጋገርቲ ስራሕና ኢሎም ሒዞሞ ዘለዉ ሜላ ኮይኑ ኣሎ።
ኣባል’ታ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ሊብያ እትቃለስ ኣሃዱ ዝኾነ ሌተናንት ናስር ሓዛም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስደተኛታት ከም ገላዩ ክሽየጡ ብዓይኑ’ኳ እንተዘይረኣየ ፡ ዝተወደቡ ገበነኛታት ግና ኣብ ውሽጢ ሊብያ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲን ምስግጋርን ደቅሰብ ዝነጥፋ ዓንኬላት የማሕድሩ ምህላዎም ጠቒሱ።
ኣብ መዳጎኔ ማእከላት ሊብያ ተጸፍጺፎም ዘለው ደቅ-ተባዕትዮ ስደተኛታት ጾታዊ ዓመጽ ቀጻሊ ከምዝወርዶም እውን ጋዜጣ ‘ዘ ጋርድያን’ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ኣመስኪሩ ኣሎ። ኣብ ተደጋገምቲ ኣጋጣሚታት እሱራት ስደተኛታት ምስ ካልኦት መተኣስርቶም ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ይግደዱ ምኳኖም እዩ እቲ ጽሑፍ ዘረድእ።
ካብ ከተማ ሚስራታ ውጽእ ኣብ ዝበለ ብ ቶሚና ዝፍለጥ ከባቢ ምስ 450 ካልኦት ስደተኛታት ን ኣርባዕተ ዓመታት ዝተዳጎነ ኣሕመድ ዝስሙ ስደተኛ ንመርመርቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊኦም ብኣሰርቶም ዝወርዱን ሕልናኻ ዘዕርቡን ኩሉዓይነታዊ በደላት ብተንቀሳቐስቲ ቴሌፎናት ከምዝቕረጽ እዩ።
ሓደ እዋን ኣሰርቶም ኣብ ሰዓታት ኣጋ-ምሸት ናብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ክፍሊ ሓደ ኣፍሪቃዊ ስደተኛ ደፊኦም ኣእትዮም፡ ነዚ ዓምጽዎ እንተዘይኮይኑ ክትቅተሉ ኢዂም ከምዝተባህሉ ኣሕመድ ይዛረብ።
ሰብ መዚ መንግስቲ ሊብያ – ንመሸጣ ባራዩ ስደተኛታት ብዝምልከት ቀጥታዊ መጽናዕቲ ከካይዱ ምዃኖም እዮም ሓቢሮም ዘለው። ካልእ ኣባል’ታ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት እትቃለስ ኣሃዱ ዝኾነ ኣነስ ኣልዛቢ ን ሲ.ኤን.ኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ ኩለን ጸጥታዊ መሓውራት ሊብያ ዝመጽኡ ወኪላት ጠርኒፋ ነቲ መጽናዕቲ እትከታተል ላዕለወይቲ ሽማግለ ድሮ ቆይማ ኣኼባ ከምዘካየደት ይሕብር።
ሓላፊ ተልእኾታት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣብ ሊብያ ዝኾነ ዖስማን ቤልበሲ ፡ ውድቡ ነቲ ብመንግስቲ ሊብያ ተጀሚሩ ዘሎ መርመራ ብቐጥታ ከምዝድግፎ፡ እቲ መርመራ ድማ ን መሸጣ ገላዩ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸሙ ዘለው ኩሉዓይነታዊ በደላት ከጽንዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ