ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ህጻናት ንዓመጽ ዝበዝሐ ይቃልዑ
ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ካብ ትሕተሳሃራ ኣፍሪቃ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ኽስደዱ ዝፍትኑ ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ መገዶም ዝተፈላለየ ምዝመዛ ይወርዶም።
እቲ ጸብጻብ ብሓልዮት ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩነሴፍ) ከምእ ድማ ብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (ኣይ ኦ ኤም) 11,000 ህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ዝርከብዎም 22,000 ስደተኛታት ካብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተረኽበ እዩ።
ህጻናትን ንኣሽቱ ብጹሓትን በይኖም ኣብ ዝጕዓዙሉ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ዝተሓተ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎምን ጉዕዞኦም ነዊሕ ዝወስድን፡ ዝያዳ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም እቲ ጸባጻብ የረድእ። ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ናይቶም ካብ 14 ክሳብ 24 ዝዕድሚኦም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ከምርሑ ዝፍትኑ ስደተኛታት ዓመጽን ምዝመዛን ከምዘጋጠሞም ሓቢሮም።
“እቲ ግሉጽ ሓቂ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብማእከላይ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ዝጕዓዙ ህጻናት ክዕመጹ፡ ክሽየጡ፡ ክቕጥቀጡን ኣፈላላይ ከጋጥሞምን ልሙድ ኣገባብ ኰይኑ ምህላዉ እዩ፡” ይብል ናይ ዩኒሴፍ ፍሉይ ኣወሃሃዲ ኣብ ጉዳይ ቀውሲ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ዝዀነ ኣፍሻን ክሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ክልተ ሲሶ ናይቶም ብማእከላይ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ዝሓልፉ ንኣሽቱ ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ከምዝተታሕዙ ኽገልጹ ኸለዉ፡ ኣብቶም 25 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ንፍርቂ ጥራይ እዩ ዘጋጥም። ካብ ፍርቂ ቁሩብ ዝትሕቱ ብዝሒ ናይቶም ንኣሽቱ ስደተኛታት ብግዲ ኽሰርሑ ኸምዝተገደዱ ገሊጾም።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ “ክትሃድም እንተፈትንካ ይትኵሱልካ። ስራሕ እንተቋሪጽካ ይቕጥቅጡኻ፡” ይብል ኣይማሞ ኣተባህለ መሰነይታ ዘይብሉ ካብ ጋምብያ ዝተሰደደ ህጻን። “ከም ባራዩ ኢና ኔርና፡” ይብል እቲ ብእሰጋገርቲ ኣብ ሊብያ ናይ ጉልበት ስራሕ ክሰርሕ ዝተገደደ ህጻን።
እቶም ካብ ትሕተሳሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ምዝመዛን መሸጣን ከጋጥሞም ዘሎ ተኽእሎ ካብ ናይቶም ካብ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ኣዝዩ ይልዕል። 83 ሚእታዊት ዝዀኑ ካብቶም ካብ ትሕተሳሃራ ኣፍሪቃ ዝተበገሱ ብሊብያ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዘምርሑ ህጻናት ምዝመዛን መሸጣን ከጋጥሞም ዝኽእል ክኸውን ከሎ፡ ካብ ፍርቂ ብዝሕ ንዝብሉ ናይቶም ካብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዝተበገሱ ጥራይ የጋጥሞም።
ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሰሙን ኣብ ዝወጸ ካልእ ጸብጻብ፡ ኣይ ኦ ኤም ካብ 2014 ክሳብ ሕጂ ኣብ ምሉእ ዓለም ልዕሊ 23,000 ሞትን ምስዋርን ከምዝመዝገበ ኣረዲኡ። ብዙሕ ሞት ከይተመዝገበ ወይ ከይተዘርበሉ ስለዝሓልፍ፡ እቲ ሓቀኛ ቝጽሪ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ዩጀንዮ ኣምብሮሲ ካብ ኣይ ኦ ኤም፡ “ስደተኛታት ክብረቶም፡ ድሕነቶም ወይ ህይወቶም ክኸፍሉ ከምዝኽእሉ እናፈለጡ እዮም ነቲ ጉዕዞ ዝጅምርዎ፡” ይብል።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ