“800,000 ስደተኛታት ን ኤሮጳ ክሰግሩ ኣብ ሊብያ ተኣኪቦም ኣለዉ” ፡ ሚኒስተር ናይ ምክልኻል ፈረንሳ

ናይ ፈረንሳ ሚኒስተር ናይ ምክልኻል፥ 800,000 ኣብ ሊብያ ልዕሊ ስደተኛታት ተኣኪቦም ን ኤሮጳ ክሰግሩ ይዳለዉ ምህላዎም ኣጠንቂቑ።

ናይ ፈረንሳ ሚኒስተር ናይ ምክልኻል– ዣን-ዪቭ ዱርየን

ሎሚ ፥ሚኒስተር ምክልኻል ዣን-ዪቭ ዱርየን ኣብ ዝሃቦ ቃል፥ ካብ ዝተፋላለያ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ምዕራብን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዝተዋጹኡ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ተኣኪቦም ንክሰግሩ ምቹእ ኩነታት ይጽበዩ ምህላዎም ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣሃዝ እዚ፥ ካብቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓላፊት ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዝኾነት ፍረደሪካ ሞርገኒ ዘተምብሃቶ 450,000 ብዕጽፊ ይዛይድ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ፥ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ብመንገዲ ቱርኪ ንኤሮጳ ከም ዝኣተዉ ይፍለጥ።

መጠንቕቕታ ናይ ዣን-ዪቭ ዱርየን፥ ድሕሪ ስምምዕ ኤሮ-ቱርኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ጠጠው ናይ ዘበለት ግሪኽ ተሞክሮ፥ ኣብ ካልኦት መእተዊታት ኣፍደገ ናይ ኤሮጳ ዝኾና ሃገራት ብዓል ጥልያንን ስፐይንን ክድገም ፈተነታት ከም ዘሎ ይእምት።

ኩነታት ስደተኛታት ሊብያ

ከም ዝፍለጥ፥ ድሕሪ ስምምዕ ናይ ኤሮጳዊ ሕብረትን ቱርኪን፥ ገለ ተዓዘብቲ፥ እቶም ኣሰጋገርቲ ሰብን ቀርሰንትን ንዝሰድዎም ስደተኛታት ካብ ግሪኽ ኣሕሊፎም ናብታ እዚ ሕጊ ክሳብ ሕጂ ዘይምልከታ ጥልያን ከብጽሕዎም ክፍትኑ ሙዃኖም ስክፍታ ከም ዘለዎም ኣስሚሮም፤ እዚ መንገዲ ፥ ብሰሪ ምንዋሑ፥ ሂወት ዕጽፊ ሰባት ክልክም ሙዃኑ የጠንቅቑ ኣለዉ።

ኩነታት ስደተኛታትን ግብረ ሽበራን ኤሮጳ ዘሸገሮም መራሕቲ ኤሮጳ ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ኣዝዮም ሓያላት ሕግታትን ንስደተኛታት ናብ ዝመጹዎ ምምላስን ክትግበሩ ጻውዒቶም የንብሩ ። ከም ዝፍለጥ፥ ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ እንግሊዝ ዴቪድ ካመሮን፥ ካብ ሊብያ ዝብገሳ ንስደተኛታት ዝሓዛ ጀላቡ፥ ብተኹሲ ናብ ዝመጻሉ ክምለሳ ክግደዳ እማመ ኣቅሪቡ ነይሩ።