26 ኤርትራውያን ሒዛ እትጕዓዝ ዝነበረት ናይ ኣስገርቲ መኪና ተገምጢላ
26 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሰግሩ ስደተኛታት ሒዛ እትጕዓዝ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መኪና ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ሑመራ ስለዝተገምጠለት፡ ሓደ ክመውት ከሎ፡ ብዙሓት ቈሲሎም።
እቶም 18 ደቂተባዕትዮን 18 ደቀንስትዮን ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ እዮም ናብ ሱዳን ዝውሰዱ ኔሮም።
እቲ ሓደጋ 1፡30 ለይቲ ብ15 መጋቢት እዩ 3 ኪሎሚተር ካብታ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ መዕቈቢ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከበላ ሽመልባ ርሒቑ ኣጋጢሙ።
ሓደ ኻብቶም ስደተኛታት ብኡ ንብኡ ክመውት ከሎ፡ 11 ደቂተባዕትዮን 1 ጓለንስተይትን ብርቱዕ ማህረምቲ ኣጋጢምዎም ናብ ኣብ ሽራሮ፡ ሽረን ኣይደርን ዝርከብ ሆስፒታላት ተወሲዶም። እቶም ዝተረፉ 14 ስደተኛታት ናብ መኦኣስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ተመሊሶም።
ምሉእ ነቲ ሓደጋ ዝምልከት ዝርዝራት ብሰብመዚ መንግስቲ ዘይተዘርግሐ’ኳ እንተዀነ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ንሰብመዚ መንግስቲ ኸምዝሓበርዎ እቲ ኣስጋሪ ከበግሶም ከሎ ሰኺሩ ኸምዝነበረን ነታ መኪና እናዘወራ መስተ ክውስኽ ከምዝርኣይዎን ገሊጾምሎም።
ናይ ኢትዮጵያ በዓልመዚ ምሕደራ ስደተኛታትን ተመለስትን ኣብቲ ናይ ምስጋር ጉዳይ ከም ደላሎ ዀይኖም ከምዝተሳተፉ ዝጠርጠሮም ውልቀሰባት ካብቲ መዓስከር ኣሲሩ ኣሎ።
ኣስገርቲ ናብ ሱዳንን ኪንዮኡ ናብ ኤውሮጳ ኸምዝወስድዎም እናተመባጽዑ ነቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ብምስዳዕ ብቐጻሊ ኣብ ሓደጋ የውድቕዎም ኣለዉ።
ብለካቲት ካብ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓክሰራት ዝተበገሱ 78 ኤርትራውያን ጽዒና ናብ ሱዳን ትጕዓዝ ዝነበረት ናይ ኣስገርቲ ናይ ጽዕነት መኪና ኣሰቃቒ ሓደጋ ኣጓኒፍዋ 51 ሰባት ብኡ ንብኡ ኽሞቱ ከለዉ፡ ነቶም ዝተረፉ 27 ቁሱላት ሒዛ ናብ ሆስፒታል እትጕዓዝ ዝነበረት ካልእ መኪና ስለዝተገምጠለት 25 ካብቶም ዝተረፉ ሞይቶም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋናት ንመስመራት ኣስገርቲ ኽሰብር ይጽዕር ኣሎ። እዚ ምትእትታው ሓድሽ ክሳብ ናይ ሞት መቓጻዕቲ ዘጠቓልል ሕጊ ዝርከቦ ጸረ ምስግጋር ዝዓለመ ሕጊ ይርከቦ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ዓሰርተታት ኣስገርቲ ተታሒዞም ንዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም እዮም።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ