ጥልያን፥ መስርሕ-ምጽራይ ጠለባት ዑቕባን ምጥራዝን ዘቀላጥፍ ሓድሽ ሕጊ

ሃገራዊ ባይቶ ዓዲ-ጥልያን መስርሕ ምጽራይ ጠለባት ዑቕባን፡ ገደብ ናይቲ ነቶም ጠለባት ንምምላስ ዝውሰድ ግዜን ንምቅልጣፍ ዝዓለመ ሓድሽ ሕጊ ንተግባራውነት ከምዘብቀዐ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ መጻንሒን መንበሪን  ማእከላት ስደተኛታት ተፈጢሩ ዘሎ ዕልኽልኽ ብርኡይ ከዝልቕ ከምዝኾነ ተኣሚቱሉ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፡ ጠለባት ዑቕባኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ንምጥራዞም ዘኽእል እውን’ዩ። በዚ መሰረት ጠለባቶም ዝተነጽገ ዑቕበኛታት ክረብሑሉ ንዝጸንሑ ክሳዕ  ሰለስተ ግዜ ዝኸይድ ናይ ይግባይ ዕድል ናብ ክልተ ግዜ  ክወርድ ተገይሩ ኣሎ።

ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ-ጥልያን ማርኮ ሚኒቲ፡ ክስረሓሉ ዝጸንሐ መስርሕ ይግባይ ንሲቪላውያን ኣብያተ-ርዲ ሃገሩ ጠለባቶም ኣብ ልዕሊ ዝተነጽገ ሓተቲ ዑቕባ ጭቡጣት ውሳኔታት ከየሕልፋ ማሕንቖ እንዳፈጠረ  ናይ ዑቕባ ሕቶኦም  ኣብ ልዕሊ ዝንጸግ ስደተኛታት ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክወሃብ ክሳዕ ክልተ ዓመታት ክወስድ ምጽንሑ ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ’ዚ ዓመት ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣንጺፍዎም ዘሎ መስርሓት፡  ምምሕዳራውን ንሰብኣዊ ክብሪን መሰልን ስደተኛታት ዘይግህስን ኮይኑ ተሰሪዑ ከምዘሎ እዩ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ኣንድርያ ኦርላንዶ ገሊጹ ዘሎ።

መንግስታውያን ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ 2016 ጥራይ ልዕሊ 124,000 ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ዑቕባ ከምዝሓተቱ ፡ 60 ሚእታዊት ካብኣቶም ድማ ሕቶኦም ከምዝተነጽገ እዩ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ጥልያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ፡ ስደተኛታት ዝዳጎኑለን ማእከላት ክሃንጽ መዲቡ ከምዘሎ ይንገር።