ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ጾታዊ ምዝመዛ የጋጥሞም

ብመሰረት ዝሓአፈ ወርሒ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ዝወጸ መጽናዕቲ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ግሪኽ ዘጋጥም ጾታዊ ተርእዮ ምዝመዛ ህጻናት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ “Emergency within an Emergency: The Growing Epidemic of Sexual Exploitation and Abuse of Migrant Children in Greece” ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ መጽናዕቲ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ጾታዊ ኣገልግሎት ሸይጦም መገዲ ንምቕጻል ንኣስገርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ከዋህልሉ ይፍትኑ ኸምዘለዉ የርኢ።

እቲ ጸብጻብ ኣብቲ ዘዕለቕለቐ ኣብ ግዜ ምሸት ተኸታተልቲ ዘይብሉ ግዝያዊ መጻንሒ መጽለሊታት ብውልቂ ዝመጹ ሰብኡትን ጉጅለታት ገበነኛታትን ነቶም መሰነይታ ዘይብሎም ህጻናት ብኸመይ ከምዝሃድንዎም የረድእ።

ቁጽሪ ናይቶም ንኣስገርቲ ዝኽፈል ከዋህልሉ ነቲ መዓስከር ገዲፎም ናብ ከተማ እናኸዱ ኣብ ፋይቶትን ዝዋፈሩ ዝጐበዙ ኣወዳትን ኣዋልድን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣወለፍቲ ኣፋውስ ምጥቃም ነቶም ህጻናት ኣብ ዕዳጋ ፋይቶትነት ንኽቕርቀሩ ዝያዳ ኸምዝግድዶም እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ቀንዲ ኣዳላዊት ናይቲ ጸብጻብ ዶክተር ቫሲለያ ዲጊዲኪ፡ “እዚ ሓደጋ እዚ ካብ ሎሚ ንኔው ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኰነን። ስደተኛታት ህጻናት ነዛ ብህይወት ንቕጸንሑ ኽብሉ ኣብ ቃልዕ ኣብ ማእከል ኣቴንስ እናተዓመጹን ነብሶም እናሸጡን ስቕ ኢልና ኽንርኢ ኣይንኽእልን ኢና።

እቲ ጸብጻብ ማእከላይ ገምጋም እቶም ህጻናት ንጾታዊ ርክብ ዝኽፈልዎ ገንዘብ 16 ዶላር ምዃኑ ይገልጽ። ኣፍጋናውያን ኣውዳት ህጻናት እቶም ዝዓበዩ ኣብዚ ፋይቶነት ዝሰርሑ ጉጅለ ክዀኑ ኸለዉ፡ ሶርያውያን፡ ዒራቓውያንን ኢራናውያንን ይስዕብዎም።

ኣስገርቲ ዝበዝሕ ግዜ ኣሽሓት ስለዘኽፍልዎም፡ ካብ ፋይቶትነት ዝእክብዎ ገንዘብ ንመስገሪ ክኸፍሉሉ ፈጺሙ ዘያኣክል ኰይኑ ይረኽብዎ።

እቲ ጸብጻብ ብትወሳኺ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብቲ መዓስከራት ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ጾታዊ መጥቃዕትን ከምዘጋጥሞም የረድእ። እቲ ዘጋጥም በደላት መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድን፡ ነቶም ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠሞም ዘሕፍር ነገራት ዘጋጠሞም ህጻናት ብምስኣል ናብ ቤተሰቦም ብምልኣኽ ከምዘቃልዕዎም ብምፍርራሕ ዝግበር ተወሳኺ ዓመጽን ይርከቦ።

እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ኣብ ግሪኽ ዘተኵር እኳ እንተዀነ፡ እተን ኣዳለውቲ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ከም ሰርብያን ኢጣልያን ዘሎ ዀነታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ተመሳሳሊ ከምዝዀነ ይኣምና።