ሊብያ ምስግጋር ሰባት ንምዕጋት ጻዕርታታ ተሐይል

Photo source: DAMEN

 

ልዑል ቁጽሪ ምስግጋር ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ገማግም ኢጣልያ ንምዕጋት ዘኽእል ዓቕሚ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንምሕያል ኢጣልያ ንሊብያ ኣርባዕተ ዝተሓደሳ ናይ ሓለዋ ጃላቡ ሂባታ።

እተን ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙናት ሽዱሽተ ዝውሰኽአን ኣርባዕተ ጃላቡ ብ15 ግንቦት እየን ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ማርኮ ሚኒቲ ተረኪበን።

ኢጣልያን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ለካቲት ነቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ መንግስቲ ሊብያ ሓለዋ ባሕሪ ከሐይል፡ ነቲ 1,770 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ እታ ሃገር ክሕሉ ዝሕግዞ ሚልዮናት ዩሮ ኸበርክታ ተመባጺዐን። 90 ዝበጽሑ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ሊብያ፡ ኢጣልያን ሕብረት ኢወሮጳን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰልጢኖም ኣለዉ።

ማርኮ ሚኒቲ ነተን ጃላቡ ኣብ ዘረከበሉ፡ “እዚኣቶም ብቑዓት መኮንናትን ባሕረኛታትን ብምዃኖም ካብ ሕጂ ንደሓር ዕጽፊ ስራሕ ክፍጽሙ እዮም። እቲ ቐዳማይ ስርሖም እቲ ንርግኣት እዛ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ምውሓስ ማያት ሊብያ እዩ። እቲ ኻልኣይ፡ ንምስግጋርን መሸጣን ሰባት ንምዅላፍ ዘኽእል ዓቕሚ ኣጥርዮም፡ ኣንጻር ግብረሽበራ ናይ ቅድመ መክልኻል ስጕምቲ ክወስዱ እናኸኣሉ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኢጣልያን ብምዃን ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት ማእከላይ ባሕሪ ተራኦም ከበርክቱ እዩ፡” ኢሉ።

እቶም ሚኒስተራት፡ “ኣብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት እዚ ክሳብ ሕጂ ዝገበርናዮ ጻዕሪ እኹል ከምዘይነበረ ርኢና። ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ኣብ ሊብያን ኣብ ማእከላይ ባሕርን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰባት ከነድሕኖም ኣለና፥” ክብሉ ናብ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ዝሰደድዎ ደብዳቤ ጽሒፎም ኔሮም።

ስደተኛታት ናብታ ብዂናት እትሕመስ ዘላ ሊብያ ኸይበጽሑ ኸለዉ ንምዕጋቶም፡ “እቲ ዕላማ ብዝቐልጠፈ ኣብ መንጎ ዶባት ሊብያን ኒጀርን ወተሃደራዊ ልኡኽ ምስዳድ እዩ፡” ይብሉ እቶም ሚኒስተራት።