ኡጋንዳ፥ ዋዕላ ብጉዳይ ስደተኛታት

ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃ ንምግታእ፡ ኣብታ ኣህጉር ቊጠባዊ ወፍርን ነጻነት ምንቅስቓስ ሰባትን ክሕይል ከምዝግባእ ኣብ’ቲ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝተቓንዐ ሳልሳይ መድረኽ ፓን-ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ስደት፡ መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ማእከላይ ዕላማ እቲ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ልዕሊ 250 ክኢላታትን ወከልቲ መንግስቲን ዝተሳተፍዎ ምድረኽ ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተን ስደተኛታትን ተፈጢሩ ዘሎ ዓለማዊ ግድል ንምዝታይን ፈታሕቲ ኣማራጺታት ንምስራዕን እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቨኒ ናብ ኣኼበኛታት ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ እዂል ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እንዳሃለዋ፡ ዜጋታታ ኣብ ኤውሮጳ ዝሓሸ ሂወት ኣሎ ብዝብል ተስፋ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክሃልቊ ቅቡል ከምዘይኮነ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

እቲ ኡጋንዳዊ መራሒ ወሲዂ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንመንእሰያት እታ ኣህጉር ዶባተን ክዓጽዋ ከምዘይግባእ፡ ዘለቕቲ ፖሊሲታት ስደት ብምምሕዳር ድማ ንኣርባሒን እወታውን ጽልዋታት ስደት ክዕወታሉ ግቡእ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሩ። ኣብ መዳይ ወፍሪ፡ ንግዲ፡ ትምህርትን ፍርያትን ብቐልቢ እንተተጻዒቱ ኣብ ውሽጢ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝኽሰት ስደት ቀጥታዊ ረብሓ ክህልዎ ከምዝኽእል’ውን ኣገንዚቡ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኡጋንዳ ዶ/ር ሩሃካና ሩጉንዳ ብወገና፡ ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ዘስፍሑ መደባት ብዕቱብ ክስረሓሎም ከምዘለዎ ጠቒሳ፡ ሳይንስን ቴክኖሎጂን – መንግስታት ኣፍሪቃ ንመንእሰያቶም ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ልዕሊ ካልእ እዋን ክወፍሩሎም ዘለዎም ዓውድታት ከምዝኾኑ ኣስሚራቱሉ።

መሰላት ነጻ ምንቅስቓስ ካብን ናብን ሃገራት እታ ኣህጉር ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝህልዎ ረብሓ ልዑል ከምዝኾነ ዝገለጸ ኣማኻሪ ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሳጃ ጃሎው፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሓባራዊ ኣፍሪቃዊ ፓስፖርት ንኽህሉ ፈሊምዎ ዘሎ ጻዕሪ እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ኣፍሪቃዊ ሓብራዊ መርገጺ ኣብ ጉዳይ ስደትን ስደተኛታትን ንምንጻር ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ኣህጉራውያንን በርጌሳውያንን ኣካላት፡ ከምኡ’ውን ብሕታውያን ትካላት ዘዛቲ ባይታ ከምዝፈጠረ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።