ጉዳይ ስደት ኣብ ኣፍሪቃ ዝከታተል ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ምኽሪ ቈይሙ

ጉዳያት ስደት ኣብ ኣፍሪቃ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ስደት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ኣብ ላይበርያ ቈይሙ።

እቲ 14 ኣባላት ዘለውዎ ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ፕረሲደንት ላይቤርያ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ኣደመንበሩ ኰይና ክትመርሖ እያ። እቲ ቤትምኽሪ ጉዳያት ንስደት ቀንዲ ኣርእስቲ ኣብ ጉዳይ መምርሒታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምግባር ዝቘመ እዩ።

እቲ ቤትምኽሪ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ከዕቢ፡ ዞባውያን ቁጠባዊ ማሕበረሰኣባትን ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ልምዓትን መሰላት ስደተኛታት ክረጋገጽ ክሰርሓን ንምንቅስቓሶም ብውሑስ ኣገባብ ከጽፍፋን፡ ከምኡውን ንተጠቃዕነት ስደተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ደቀንስትዮ ክቕንሳ ኽሰርሕ ዝዓለመ እዩ።

ኣብ “ብሰንኪ ተሪር ሕግታት ቪዛን ልዑሊ መጠን ምቍጽጻር ዶባትን ንመገሻ ዝምልከት ዓንቃጺ ሕግታትን ኣብ ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ዝግበር ጉዕዞ ኣዝዩ ተደሪቱ እዩ፡” ይብል ዓብደላ ሃምዶክ ካብ ቁጠባዊ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ። እዚ ዕንቅፋታት እዚ ዋጋታት ይውስኽ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ስደተኛታት ዝወስድዎ ሓደገኛ ስጕምትታት የግድዶ፡ ንኣፍሪቃ ድማ ካብ ምንቅስቓስ ሰባት ጥቕሚ ኸይትረክብ ይዓግታ ኸምዘሎ ሃምዶክ ወሲኹ ይገልጽ።

እቲ ቤትምኽሪ ናኣህጉራዊ ስደት ዝምልከት ምርሒትን ናኣገባብ ዝምልከቱ ዘተታትን ብምድላው ውርጹጹ ኣጠቓቕማ ፖለቲካዊ፡ ገንዘባዊ ከምኡውን ፍልጠታዊ ጸጋታት ስደተኛታት ኣብ ምዕባለ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኸምዝውዕል ንምግባር ክሰርሕ እዩ።

ኣብዘን ዝስዕባ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ብደረጃ ሃገር፡ ዞባን ዓለምን ዝውደቡ ናይ ምይይጥ ርክባት ክውድብ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ንኣፍሪቃ ዝጸልውዋ ጉዳያት ስደት ጸናሒ ጥቕሚ ዝርከቦ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ሓባራዊ ኣረዳድኣ ንምህናጽን ቀጻሊ ከምዝኸውን ንምግባሩን ክሰርሕ እዩ።