ኢጣልያ ናብ ሊብያ ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ ናብ ሊብያ ሰዲዳ

ኢጣልያ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዋሕዚ ስደተኛታት ክዓግት ዝሕግዞ ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ ሰዲዳ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ፓውሎ ጀንቲሎኒ እቲ ስርሒት በቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ  ሊብያ ዝተጠልበ ምዃኑ ገሊጹ። ጀንቲሎኒ፡ ዕላማ ናይቲ ስርሒት ንምስግጋር ሰባት ምዕጋትን ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ ናብ ሊብያ ምምላስን ምዃኑ ይሕብር።

ኣብ ባይቶ ኢጣልያ እቲ ልኡኽ ክስደድ ብድምጺ ምስጸደቐ፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ሓንቲ ናይ ሓለዋ ጃልባ ተበጊሳ። ጉጅለ እታ ጃልባ ነቲ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝካየድ ሓባራዊ ስርሒታት ኣቐዲሞም ዝውድቡ ኽኢላታት ዝሓዘት እያ።

ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስንቅን ጽገናን እትቕርብ ጃልባ ኣብ ቀረባ እዋን ከተርክቦም ትጽቢት ይግበር። ኢጣልያ 6 ጃላቡ ኽትሰድድ ትደሊ እኳ እንተነበረት እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መንግስቲ ስለዘዕዘምዘመ ኣቋሪጻቶ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሮቤርታ ፒኖቲ “ንመራኽብ ሊብያ ስንቂ፡ ሜላዊ ምኽርን ደገፍ ስርሒታትን ክንቅርበሎም፡ ኣብ ሓባራውን ዝተወሃሃደን ስራሕ ክንሕግዞምን ክንድግፎምን ኢና፡” ትብል።

ኢጣልያ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነተን ካብ ገማግሙ ዝብገሳ ሰንኰፋት ጃላቡ ክኽልክለን ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ። ኢጥልያ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣባላቱ እናኣሰልጠነትን ንጭፍራ መራኽብ እታ ሃገር ብምሕያልን ብንጥፈት እያ ኽትተሓጋገዝ ጸኒሓ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታ 600,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ኢጣልያ ኽኣትዉ ኸለዉ፡ ንማእከላት መቐበሊ ስደተኛታት እታ ሃገር ብርቱዕ ጸቕጢ ዀይንዎን ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ፖለቲካዊ ወጥሪ ይፈጥር ኣሎን።