ሊብያ፡ ቀንዲ መናሃርያ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ዝኾነት ከተማ ሳብራታ ናብ ኢድ ካልእ ዕጡቕ ጉጅለ ትኣቱ

ስእሊ፡ ሮይተርስ

ብ ኦፐሬሽንስ-ሩም (Operations Room) ዝጽዋዕ ሓደ ካብ ዕጡቓት ጉጅለታት ሊብያ፡ ካብ ቀንዲ መናሃርያ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግድን ምስግጋርን ደቅ-ሰብ ምዃና ንዝንገረላ ከተማ ሳብራታ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሳምንቲ ጽዑቕ ውግእ ከምዝተቖጻጸራ ምግላጹ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ከተማ ሳብራታ ኣብ ትሕቲ’ቲ ብ ብርጌድ ዓናስ ኣልዳጋሺ ዝጽዋዕ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ገዚፍ ኢድ ጸኒሑዎ ኣብ ዝሓለፋ ውሑዳት ኣዋርሕ ኣብ ምግታእ እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ክሰርሕ ምዃኑ ክምድር ዝጸንሐ ምልሻ እያ ጸኒሓ።

ካብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ተገቲኡ ኣብ ምቅላስን ምግታእ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ንኽዋፈር ብመንግስቲ ጥልያን ናይ 6 ሚልዮን ምስጡር ገንዘባዊ ግንዖ ከምዝተቐረበሉ ዝሕመ ብርጌድ ዓናስ ኣልዳጋሺ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ጽዒነን ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ንዝብገሳ ጀላቡ ኣብ ምህዳን ምስ’ቲ ብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ሓደ ካብ ባዕላውያን መንግስታት ሊብያ ክደጋገፍ ዓሊሙ ምህላዉ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

እቲ ብ ዕጡቕ ጉጅለ ኦፐሬሽንስ-ሩም ኣብ ልዕሊ ብርጌድ ዓናስ ኣልዳጋሺ ተወሲዱ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ኣብ ሊብያ ሰሪቱ ንዘሎ ጸጥታዊ ውድቀት ከተሓላልኽን ብመንገዲ እታ ሃገር ዝስስን ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደት ከይግታእን ተወሳኺ ነዳዲ ዝኽዕው ከይከውን ስክፍታታት ኣሎ።

ከተማ ሳብራታ ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጀሚራ ካብ ቀንዲ መናሃርያ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግድን ምንቅስቓስን ሰባት ኮይና ምህላዋ እዩ ዝንገር።

ካብ ወርሒ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት፡ ቊጽሪ’ቶም ካብ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብርኡይ ይጎድል ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፡ ናይዚ መሰረታዊ ምኽንያት ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ሊብያ ዘሐይልኦ ዘለዋ ወተሃደራውን ንዋታውን ምትሕግጋዝ ከምዝኾነ ከገንዝቡ እንከለው፥ ብ ብርጌድ ዓናስ ኣልዳጋሺ ብሰለይ ጀሚሩ ዘሎ ስርሒታት ህድና ጀላቡ እውን ተውሳኺ ድፍኢት ከይሃለዎ ከምዘይተርፍ ይዛረቡ።

ኣዛዚ ዕጡቕ ጉጅለ ኦፐሬሽንስ-ሩም  ዖመር ዓብደልጃሊል ድሕሪ ናይ ከተማ ሳብራታ ዓወት ጉጅለኡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቅ-ሰብ ንምግታእ ክሰርሕ ድዩ  ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ፥ “ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዝገዘፈ ኢድ ዝጸንሖ ብርጌድ ዓናስ ኣልዳጋሺ ምሉእ ብምሉእ ምስተደምሰሰ ፈጣሪ ከምዝፈቐዶ ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ስደት ክንጽዕት ኢና፡” ይብል።