ህይወት እተድሕን መርከብ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኸምዝደየብዋ ሓቢራ
ሓንቲ ኣብ ሰብኣዊ ምድሓን ህይወት እትሰርሕ መርከብ፡ ብ26 መስከረም ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ማእከላይ ባሕሪ እናተጓዕዘት ከላ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ደይቦም፡ እቶም ተሳፊሮማ ዝነበሩ 70 ዝዀኑ ካብ ሓንቲ ጃልባ ዕንጨይቲ ዝድሓኑ ስደተኛታት ክወሃብዎም ከምዝጠለቡ ሓቢራ።
እቶም ሊብያውያን ነቶም ኣባላት እታ መርከብ፡ እቲ ቦታ ግዛኣቶም ምዃኑ ሓቢሮም፡ ናብ ሰማይ ወይ ናብ ባሕሪ ተዂሲ ፈንዮም።
ኣፈኛ ናይታ ኣብ ጀርመን ዝመደበራ ኣብቲ ሰሙን ናይ ፈለማ ወፈራኣ ዘካየደት ሚሽን ላይፍላይን ዝተባህለት ማሕበር ግብረሰናይ ኣክሰል ስተየር ምስ ሮይተርስ ክዛረብ ከሎ፡ “ስደተኛታት ናብ ሊብያ ኸምዘይንመልስ ሓቢርናዮም። ድሕሪ ቑሩብ ቀቢጾም፡” ኢሉ።
ኣብ ሊብያ ዝመደበሩ ኣፈኛ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ ነቲ ጉዳይ ከጽንዖ ምዃኑ ብምሕባር ርኢቶ ኻብ ምሃብ ክቝጠብ ከሎ፡ ንስርሒታት ምድሓን ህይወት ዘወሃህድ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፡ ብመሰረት ሮይተርስ ተደጋጋሚ ጻውዒት ተሌፎን ኣይመለሰን።
እዚ ሓደ ናይ ቀረባ ኣብነት ናይቲ ኣብ መንጎ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያን ህይወት ዘድሕና መራኽብ ሰብኣዊ ማሕበራትን ተደጋጋሚ ኸጋጥም ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ጐነጻት እዩ።
ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ግጭት፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንሓንቲ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት እትጕዓዝ ዝነበረት ስጳኛዊት መርከብ ምድሓን ህይወት ዓጊቶም ናብ ትሪፖሊ ኣንፊታ ኽትጕዓዝ ወይ ድማ ተዅሲ ክኸፍቱላ ምዃኖም ሓቢሮማ፡ ጸኒሖም ግና ኽትቅጽል ገዲፎማ።
ዋሕዚ ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ስድተኛታት ንምዕጋት፡ ኢጣልያ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኸተሰልጥንን ከተዕጥቕን ጸኒሓ እያ። በመሰረት ሓበሬታ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብዚ ዓመት እዚ ድሮ 16,567 ስደተኛታት ቅድሚ ኣብ ባሕሪ ድሒኖም ናብ ኢጣልያ ክኸዱ ምኽኣሎም ዓጊቱ ኣሎ።
ቁጽሪ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ዝበጽሑ ስደተኛታት ቀኒሱ እኳ እንተዀነ፡ ገና ብዙሓት ኤውሮጳ ኽበጽሑ ኽብሉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ የእትዉ ኣለዉ።
ኣብ ባሕሪ ዝደሓነ ሓደ ወዲ 26 ዓመት ሊብያዊ፡ ንኣባላት እታ ህይወት እተድሕን ናይ ኤስ ኦ ኤስ መዲታራኔ ዝዀነት መርከብ ኣኳርየስ፡ “ኣብ ሊብያ ስራሕ የለን፡ ደሓር ከኣ መጥቃዕቲ ኽወርደካ ይኽእል እዩ፡” ክብል ኣረዲእዎም። ወሲኹ፡ “ኣብ ሊብያ ምንባር ዘይከኣል እዩ ዀይኑ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓደገኛ እዩ፡” ይብል።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ