ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሪፖሊ ንስደተኛታት ዝኸውን ግዝያዊ መዕቀሊ ክኸፍት እዩ
ኣብ ትሪፖሊ፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ ስደተኛታት ዝዳጐኑሉ ማእከል
ስእሊ፥ ዩ ኢነ ኤች ሲ ኣር/ ጄይሰን ፎንተን
ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር) ኣብ ትሪፖሊ ንስደተኛታት ዝኸውን ግዝያዊ መዕቀሊ ብምኽፋት ኣብ ዓመት 5,000 ዝዀኑ ዝያዳ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣብ ሊብያ በጺሖም መገዲ ዝስኣኑ ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ከጣይስ ወይ ናብ ማእከላት ካልኦት ሃገራት ከግዕዝ እዩ።
ወኪል ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ኣብ ሊብያ፡ ሮቤርቶ ሚኞነ፡ ብ29 መስከረም ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ቀረባ እዋን ጽሑፍ ፍቓድ ክንረክብ ንጽበ፡” ኢሉ። እቲ ብውድብ ሕቡራት ዝድገፍ ኣብ ሊብያ ዝርከብ መንግስቲ ነቲ መደብ ብቓል ተቐቢልዎ እዩ።
ብመሰረት ኣቐዲሙ ብዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ዝተዋህበ መግለጺ፡ ነቶም ዝያዳ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ቀዳምነት ዝህብ፡ ኣብ ሓደ እዋን 1,000 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ስደተኛታት ከምድላዮም ዝንቀሳቐሱሉ መቐበሊ ማእከል ከቕውም ምዃኑ ተሓቢሩ ኔሩ።
ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ምዝገባ፡ መዕቀሊ፡ መግቢ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ንግዳያት ጾታውን ኣብ ጾታ ዝተመርኰሰ ዓመጽን ምኽርን ደገፍን ክቕርብ፡ ከምኡ ድማ ነቶም ብዝኸፍአ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣብ ካልኦት ሃገራት ፍታሕ ክረኽቡ ክሰርሕ ይደሊ።
እቲ ኣቐዲሙ መሰልጠኒ ፖሊስ ስደት ኣብ ዝነበረ ቦታ ዝቐውም ዘሎ ግዝያዊ መዕቀሊ፡ ኣብ ዓመት 5,000 ስደተኛታት ምጥያስ ዝብል ዕላማ ሒዙ ክኽፈት እዩ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ‘ኣስካሕካሒ’ ከምኡውን ‘ዘይሰብኣዊ ጭካነ ዝርኣየሉ’ ኣብ ዝብሃል ኩነታት እዮም ተታሒዞም ዝርከቡ። ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ናብተን መዳጐኒ ማእከላት ሰብኣዊ ሓገዝ ይልእኽ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ 1,000 ስደተኛታት ካብቲ ማእከላት ኣፈንዩ ኣሎ።
ሓደ 230 ወተሃደራት ዘለውዎ ኔፓላዊ ጉጅለ ሰራዊት ኣብዚ ሰሙን እዚ ሊብያ ኽበጽሕ፡ ኣብቲ ሕዳር ክኽፈት ትጽቢት ዝግበረሉ ቦታ ኽዋፈር እዩ።
ብዙሓት ሃገራት ኣብ ትሪፖሊ ቀዋሚ ዲፕሎማስያዊ ውክልና ስለዘይብለን፡ ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ምጥያስ ማሕለኻታት ዝበዝሖ እዩ። ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ነቶም ስደተኛታት፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክጣየሱ ኽሓቱሉ ናብ ዝኽእሉ ኣብ ሮማንያ፡ ስሎቫክያ፡ ኣብ ኮስታ ሪካ ውን ከይተረፈ ናብ ዝርከብ ናይ ህጹጽ ግዝያዊ መዕቀሊ ማእከላት ክሰዶም ክፍትን ምዃኑ ይገልጽ።
ነዚ ጽሑፍ ተኻፈልዎ