ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ኣብ መስከረም ልዕሊ 550 ስደተኛታት ዓጊቱ

ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ኣብ መስከረም ልዕሊ 550 ካብ ትሕተሳሃራ ኣፍሪቃን ካብ ቱኒዝያን ዝተበገሱ ናብ ኤውሮጳ ኸበጽሑ ዝፍትኑ ዝነበሩ ስደተኛታት ዓጊቱ።
ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ኣብ መስከረም ካብ ደቡባውን ሰሜናውን ገማግም እታ ሃገር ዝብገሱ ዝነበሩ 555 ሰባት ክኣስር ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ግና 170 ሰባት ጥራይ እዮም ተታሒዞም ኔሮም።
“ብሰንኪ እቲ ኣስገርቲ ካብ ቱኒዝያ ዝብገስ ጕዕዞ  ካብ ካልእ ቦታታት ዝሓሸ ዝዕወት ምዃኑ ዘጋውሕዎ ዘለዉ፡ ከምኡድማ ኩነታት ኣየር እናጸበቐ ክኸይድ ከሎ ብብዝሒ ዝውስኽ ዘሎ ቍጽሪ ካብ ገማግም ቱኒዝያ ዝብገሱ ስደተኛታት፡ ብዙሕ ፈተነታት ኢና ኣበርዒንና፡” ይብል ኮሎኔል ሜጀር ኸሊፋ ሺባኒ ካብ ሃገራዊ ሓለዋ ቱኒዝያ።
ብተወሳኺ፡ ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ብ30 መስከረም ኣብ ጥቓ ደሴታት ቐርቕና ጃልባኦም ትጥሕሎም ዝነበሩ 98 ቱኒዝያውያን ከምዘድሓነ ሃገራዊ ሓለዋ ቱኒዝያ ሓቢሩ።
ካብዚ ኣብ ዝተፈልየ፡ ሰራዊት ቱኒዝያ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እታ ሃገር እትርከብ ወደባዊት ከተማ ዠርዚስ ኣብ ባሕሪ ዝደሓኑ 43 ስደተኛታት ከምዝኣሰረ ሓቢሩ።
እቲ ጸብጻባት፡ እቶም ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኢጣልያ ኽበጽሑ እናፈተኑ ዝደሓኑን ዝተዓግቱን ስደተኛታት፡ ኣንስትን ቈልዑን ከምዝርከብዎም የረድእ።
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብዕጥቃውን ሜላውን ደገፍ ኢጣልያ ተሰንዩ ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝገብሮ ምቍጽጻር ኣብ ዘትርረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣስገርቲ ንገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ኸም እናዓበየ ዝኸይድ መበገሲ ናብ ኤውሮጳ ክኸዱ ዝደልዩ ስደተኛታት ዝጸዓና ጃላቡ ይጥቀሙሉ ኣለዉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን፡ ንሊብያን ቱኒዝያን፡ ዋሕዚ ዘይስሩዕ ስደት ክቈጻጸራ ዝሕግዘን ናይ 60 ሚልዮን ዩሮ ጥቕሉል ሓገዝ ኣፍሊጡ  እዩ።