ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጥቓ ሊብያ ኣብ ባሕሪ ዝግበር ንጥፈታት ኣስገርቲ ስደተኛታት ንምዅላፍ ዝግበር ወፍርታት ክካየድ ፍቓድ ኣጽዲቑ

Photo credit: UNHCR/F. Noy – ስእሊ፥ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር/ ኤፍ ኖይ

ኣብ ጥቓ ሊብያ ኣብ ባሕሪ ዝግበር ስደተኛታት ከምዝሰጋገሩለን ዝተጠርጠራ ተንሳፈፍቲ ምድያብ፡ ምፍታሽን ምሓዝን ዘኽእል ንሃገራት ዘድሊ ፍቓድ ብዓመት ክናዋሕ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ5 ጥቅምቲ ኣጽዲቕዎ።
እቲ 15 ዝኣባላቱ ባይቶ ጸጥታ፡ ነቲ ካብታ ባንዴራኣ ኣብታ ተንሳፋፊት ዘንበልብል ሃገር ፍቓድ ንምርካብ “ብምክብባር ዝግበር ጻዕሪ” ስዒቡ “ኣባላት ሃገራት ኣብ ጥቓ ሊብያ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ንዝጕዓዛ ተንሳፈፍቲ ብቕቡል ዝዀነ መኽንያታት ብጕዳይ ምስግጋር ስደተኛታትን ምሽያጥ ሰባትን እንተጠርጢረንአን ክፍትሽአን” ዘኽእል ውሳነ ኽሕደስ ስምምዑ ብምሉእ ድምጺ ኣሕሊፉ።
ባይቶ ጸጥታ፡ እቲ ውሳኔ “ዝተወደበ ገበናዊ ስራሕ ንምብርዓን እምበር ንሰብኣዊ መሰላት ውልቀሰባት ክሃሲ ወይውን ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕጊ ስደተኛታትን ዑቕባ ንኽሓቱ ዘለዎም መሰል ንምኽልካል ኣይኰነን፥” ብምባል ጸቒጡ ይገልጽ።
እቲ ባይቶ ብተወሳኺ፡ እታ ሃገር ዶባታ ኽትሕሉ ዘለዋ ዓቕሚ ምእንቲ ኸተዕቢ፡ ከምኡ ድማ ኣብ መሬታን ኣብ ባሕራን ዘጋጥም ገበናት ምስግጋር ስድተኛታትን ምሽያጥ ሰባትን ክትምርምርን ኣብ ሕጊ ከተቕርብን ምእንቲ ኽትክእል፡ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ መንግስቲ ሊብያ ኽተሓጋገዛ ጸዊዑ።
እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ስልጣን ተዋሂብዎ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝካየድ ምስግጋር ስደተኛታት ክዓግት ኣብ 2015 ብወግዒ ዝተበገሰ ስርሒት ሶፍያ ዝተባህለ ወትሃደራዊ ስርሒት ባሕሪ ክሳዕ ሕጂ 117 ኣስገርትን 482 መራኽብ ኣስገርትን ከምዝሓዘ ይሕብር። ሓላፊ ናይቲ ስርሒት ኣብ ቀረባ እዋን፡ እዚ ኽረምቲ ኣብ ቍጽሪ ኻብ ሊብያ ዝብገሱ ስደተኛታት ናይ ሰለስተ ርብዒ ምቕናስ ዝተራእየሉ ምንባሩ ገሊጹ እዩ።