ከባቢ 14,000 ስደተኛታት ካብ ግሪኽ ነናብ ሃገራቶም ተመሊሶም

ስእሊ፡ ኤኮኖሚ ዎች
ኣብ ግሪኽ ተዓጊቶም ካብ ዘለው ስደተኛታት ዛጊት ከባቢ 14,000 ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብወለንታኦም ነናብ ሃገራቶም ከምእተመልሱ ተሓቢሩ። እቶም ዜጋታት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ኤስያን ምብራቕ ኤውሮጳን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት ብምትሕብባር ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOMን መንግስቲ ግሪኽን እዮም ተመሊሶም።

ፖሊስ ግሪኽ ብዛዕባ ኣሃዝ’ቶም ዝተመልሱ ስደተኛታት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘረጋገጸሉ ኣጋጣሚ፡ እቶም ስደተኛታት ነናብ ሃገራቶም ኣብ ዝተመለሱሉ እዋን ካብ 500 ክሳዕ 1,500 ኤሮ ኣብ አኢዶም ከም ሓገዝ ከምዝተዋህቦም ኣፍሊጡ።

ሃገራት ባልካን ነቶም ካብ ግሪኽን ቱርኪን ብመሬተን ናብ ሰሜናውን ምዕራባውን ኤውሮጳ ዘብሉ ስደተኛታት ንምዕጋት ኣብ ፈለማ 2016 ዶባተን ክዓጽዋ ድሕሪ ምውሳነን፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ግሪኽ ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ኣብ ቃልዕ መዓስከራት ኣብ ትሕቲ ሕሱም ኩነታትን ሕጽረት መሰረታዊ ጠለባት ሂወትን ይነብሩ ከምዘለው ይንገር።

ኣህጉራዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ማለት Human Rights Watch ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ግሪኽ ዘለዋ መዓስከራት ስደተኛታት ብዕልቕልቕ ሰባት ከምዝልለያ፥ ዝበዝሓ ካብኣተን ድማ ልዕሊ ዕጽፊ ካብቲ ክሕዝኦ ዝኽእላ ብዝሒ ኣዕቚበን ብምህላወን ስደተኛታት ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት ከምዝርከቡ ይሕብር።

ወከልቲ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ’ዚ ዓመት ናብ ሓያሎ መዓስከራት ግሪኽ ድሕሪ ዝገበርዎ ናይ ትሽዓተ መዓልታት ምብጻሕ ከምዘረጋገጽዎ፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ኣብ ቴንዳታት ከምዝቕመጡ፥ ነተን ዝወሃቦኦም ውሑዳት ኮቦርታታት ከም መንጸፍን ፍርናሽን ከምዝጥቀሙለን፥ ደቅ-ንስትዮ ንተደጋገምቲ ዓመጻት ዝተቓልዓ ምዃነን፣ ናይ ጽሬትን ቀልቀልን ትሕተ-ቅርጺ እተን መዓስከራት ድማ ስንኩላን ስደተኛታት ኣብ ግምት ዘየእተወ ከምዝኾነ እዩ።

ኣብ’ተን መዓስከራት ዘሎ ሕሱም ሂወት ፡ ስደተኛታት ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኤውሮጳ ናይ ምቕጻል ሓሳቦም ከወንዝፉን ሻቡ ናብ ሃገሮም ክምለሱን ዝደፍኡ ካብ ዘለው ሮቓሕቲ ሓደ ኸውን ከምዝኽእል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝገልጹ ዘለው።