ድሕነትን ጠለባትን ህጻናት ስደተኛታት ንምውሓስ ዝዕላማኡ ማእከል ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ተሃኒጹ

ስእሊ፥ ሬድዮ ቫቲካን 2017

ጀስዩት ረፉጂ ሰርቪስ (JRS) ዝተባህለ ካቶሊካዊ ትካል ንስደተኛታት ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ምዃኑ ዝተነግረሉ ድሕነትን መሰረታውያን ጠለባትን ህጻናት ስደተኛታት ንምውሓስ ዝዕላማኡ ማእከል ከምዝሃነጸ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ንዝርከቡ ህጻናት ስደተኛታት ኸገልግል ተሃኒጹ ዘሎ ማእከል ፡ ካብ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካል ልምዓትን ምትሕሕግጋዝ ስዊዘርላንድን ብዝተረኽበ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ ክውን ኮይኑ።
ኢትዮጵያ ሒዛቶ ብዘላ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኮይና ፡ ኣብ’ታ ሃገር መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን ሶማልን ዝኾኑ ልዕሊ 840,000 ስደተኛታት ይርከቡ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ካብ ዘለው ምዝጉባት ስደተኛታት እቶም 35 ሚእታዊት ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ዝጠቐሰ ትካል ጀስዩት ረፉጂ ሰርቪስ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ትሕቲ ዕድመ ብዘይ ዝኾነ ኣላዪ ካብ ሃገሮም ዝወጽኡ ከምዝኾኑ እዩ ዝገልጽ። እዚ ኣዲስ-ኣበባ ስራሑ ጀሚሩ ዘሎ ማእከል ርኡይ ጸገማትን ኣብ ተኣፋፊ ኩነታትን ንዝርከቡ ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ከማሕድርን ኣገልግሎታት ትምህርቲ ክቕርብን እዩ መደቡ።
ኣመሓደርትን ኣካየድቲን እቲ ስራሑ ድሮ ጀሚሩ ዘሎ ማእከል ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ማእከል ዛጊት ን 150 ህጻናት ስደተኛታት ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ ከምዘሎን ቊጽሪ ተገልገልቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንምዕባይ ድማ ጻዕርታት ይካየድ ምህላው እዩ።
ኣብ ናይ ምኽፋት ስነ-ስረዓት እቲ ማእከል፡ ንምምሕዳር ስደተኛታትን ጉዳይ ተመላሶን ኣብ ኢትዮጵያ (ARRA) ወኪሉ ዝመጽአ ኣቶ ፍሳሃ መሰረት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ስደተኛታት ንምርግጋጽ ንዝወስዶ ዘሎ ጻዕርታት ኣብሪሁ።

“ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከም ኣዲስ-ኣበባ ዝኣመሰለ ካባቢታት ዝርከቡ ስደተኛታት መነባብሮኦም ከመሓይሹሉ ዘኽእል ሕጋዊ መርሓታት ንምርግጋጽ ንጽዕት ኣሎና። ንህጻናት ስደተኛታት ኣገልግሎታት ትምህርቲ ክፉት ምግባር ከኣ ሓደ ካብኡ እዩ። እቲ ምንታይ ዝኾነ ህጻን መሰል ትምህርቲ ክወሓሰሉ ኣለዎ ኢልና ስለንኣምን፣” ይብል ኣቶ መሰረት።