ጀርመን፥ መስርሕ ዑቕባ ነዊሕ ግዜ ይወስድ

ስእሊ፡ ሮይተርስ። ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ኣብ መመዝገቢ ማእከላት ጀርመን ነዊሕ ግዜ ይጽበዩ።

ብዝሒ ዓቕሚ ሰብ ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ንስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኣብ ጀርመን (BAMF) ብ 20 ምእታዊት ብምጉዳሉ፡ መስርሕ ዑቕባ ልዕሊ ካልእ እዋን ዝነውሐ ግዜ ይወስድ ከምዘሎ ኑረምበርግር-ናኺሽተን ዝተባህለት ጋዜጣ እታ ሃገር ሓቢራ።
ኣባላት ክፍሊ ስደተኛታት ጀርመን ጉዳያት ዑቕባ ሓደ ስደተኛ ንምጽፋፍ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ዝወስደሎም ዘሎ ንውሓት ግዜ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዛ ዓመት ዝወስደሎም ዝነበረ ከምዝኾነ ዝሓበረት እታ ጋዜጣ፡ በዚ መሰረት ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሓት 2017 ወርሓዊ ልዕሊ 50,000 ጉዳያት ዑቕባ ዝጻፈፍ ዝነበረ ፡ ኣብ’ዚ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት እቲ ኣሃዝ ናብ ኣብ ሞንጎ 15,000ን 18,000ን ለጠቕ ኢሉ ምህላው ተረድእ።
ብ ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ንስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ጀርመን (BAMF) ንዝተሰነደ ውሽጣዊ መዝገብ ምርኩስ ገይራ ነቲ ኣሃዛዊ ሓበሬታ ዝዘርዘረት ጋዜጣ ኑረምበርግር-ናኺሽተን ወሲኻ፡ ክሳዕ መወዳእታ 2016 ጉዳያት ናይ ከባቢ 430,000 ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ዛጊት ከምዘይተራእየ ኣነጺራ ኣላ።
ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ንስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ንጉዳያት እቶም ኣብ 2016 ጠለብ ዑቕባ ዘቕረቡ ስደተኛታት ክሳዕ ወርሒ ግንቦት ናይ’ዚ ዓመት ከጻፍፎ ምዃኑ ሓቢሩ’ኳ እንተነበረ ፡ ክሳዕ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ልዕሊ 50,000 ኣቐዲሞም ዝተሰርዑ ጉዳያት’ኳ ከምዘይተዓመሙ ይሕበር። ምስቶም ዘይተዓመሙ ቀዳሞት ሰነዳት፡ ኣብ 2015 ጠለብ ዑቕባ ናይ ዘቕረቡ ሓያሎ ስደተኛታት ጉዳያት ምህላው እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ጀርመን ሕቶ ዑቕባ ዘቕርቡ ስደተኛታት ይዛይደሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ መስርሕ ዑቕባ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ዝረአ ዘሎ።

ኣብ ጀርመን ብወግዒ ተመዝጊቦም ካብ ዘለው 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት እቶም 573,000 ጠለብ ዑቕባኦም ዛጊት ዘይተመለሰን ኣብ ሰንፈላል ዝርከቡን ኮይኖም ፡ እቶም 872,000 ሕቶኦም እወታዊ ምላሽ ተዋሂቡዎ መሰለ ስደተኛ ዝተዋሕሰሎም ፡ እቶም ዝተረፉ 600,000 ድማ ግዝያዊ ነባርነት ረኺቦም ዘለው ምዃኖም እዩ እዋናዊ ጸብጻብ ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት ስታትስቲክስ እታ ሃገር ዘመልክት።